ተመሃሮ ኣብ ከባቢኦም ዝርከብ ላዕለዋይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ክመሃሩ እንተፈቒዶም ወርሓዊ ናይ 750 ክሮና መተባብዒ ክህባ
ምዃነን ኣብ ዞባ ቫስተርቦተን ዝርከባ ክልተ ምምሕዳራት ከተማ ገሊጸን። እዞም ኮተቴ ኣብ ክንዲ ናብ ካልእ ክፋል ሽወደን
ዝኸዱ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ኣብዚ እንተዝወስዱ ዝሓሸ እዩ ክብላ ነዘን ካልኣይ ደረጃ ኣባያተ ትምህርቲ ዘካይዳ ምምሕዳራት
ገሊጸን ኣለዋ። “ገለ ሰባት ደቆም ክምዕብሉ እንተኾይኖም ናብ ዕብይ ዝበለ ከተማ ክወጹ ጽቡቕ እዩ ኢሎም እዮም ዝሓስቡ፡
እዚ ግና ግጒይ እዩ። ምኽንያቱ ኲሉ ኣብ ዝንባለኻ ዝምርኮስ እዩ” ክትብል ኣብ ስቲረማ ዳይረክተር ላዕለዋይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ
ኢኔሳ ኣብርሃምሰን ገሊጻ።
ይዂንምበር፥ ምምሕዳራት ከተማ ገንዘብ እናሃባ ንተመሃሮ ክስሕባ ምፍታነን ጽቡቕ ኣይኮነን ክብል ካብ ገለ ወገናት ነቐፌታ
ቀሪቢ