ምምሕዳራት ከተማን ሰብመዚን ሽወደን፡ ኣብ ውሽጢ ኔቶ ብዛዕባ ዝህሉ ሲቪላዊ ድሉውነት ክፈልጡ ዘለዎም ድሌት ምውሳኹ
“ኤጀንሲ ሲቪላዊ ድንገታት ሽወደን”—MSB–ገሊጹ።
ኔቶ ውሕስነት መግቢ፡ ማይን ፖለቲካዊ መሪሕነትን ብዝምልከት ኣብ ኣባል ሃገራት ገለ ጠለባት ከም ዝጽዕን ዝፍለጥ እዩ።
ሽወደንን ፊንላንድን ቅድሚ ዓመት ኣቢለን ንኣባልነት ኔቶ ሕቶ እኳ እንተቕረባ ሕቶአን ንኽጸድቕ ክሳብ ሕጂ ይጽበያ እየን ዘለዋ።