ኣብ ዌልስ ኣብ ዝርከብ ዎርፓዝ፡ ዝተቘጥዐ ምጹጽላይ ጉደኣት የውርድ፡
ሓደ ምጹጽላይ ኣብ ቶም ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዊልስ ዝርከቡ ነበርቲ ባክሊ ፍርሂ ድሕሪ ምስፍሕፍሑ ተቐቲሉ፡፡ ክብል ቢ.ቢ.ሲ. ነውስ ቻነል ጸብጺቡ፡ ፡
እቲ ዝነደረ እንስሳ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት `ዩ ን 18 ሰባት ናይ ሞቑሰልቲ ጉዳኣት ኣውሪዱ፡፡
ኮሪን ረይኖልድ እተባህለት ሰብ ካብ ወርሒ መጋቢት ኣትሒዛ በቲ ምጹጽላይ እምዝተበጽሐትን ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋታሚታት ድማ እብ ኢዳ ከም ዝተነኽሰትን ብፍላይ ሃንደበት ኣጻብዕታ ምስ ነኸሳ ኣዚያ ከም ዝተገረመት ነቲ ቻነል ገሊጻትሉ፡፡
ድሕሪኡ ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ሓያሎ ሰባት በታ “ንእሽቶ መሓዛኣ“ መጥቃዕቲ ከምዝወረዶም ኣብ ፈይስ ቡክ `ያ ርእያ፡፡
ስእልታት ናይ ዝተጎድኡ ሰባት ምስ ረኣኹ “ኦ! ፈጣርየይ እንታይ `ዩ `ዚ ኣጋጢሙዎ?“ ኢለ ሓሲበ፡ ፡ ብምባል ንቢ.ቢ.ሲ. ወሲኻ ተዛሪባ፡፡
እንተ ኮነ ግን ነቲ ገርሂ ምጹጽላይ ብሓገዝ መጻወድያ ከም ዝሓዘቶን ብስምቲ ኣብ `ታ ግረምሊንስ ዘርእስታ ፊልም ዝረኣየቶ እኩይ ገጸ-ባህሪ ብምምስሳል ድማ “ስትሪፕ“ ዝብል ሳጓ ከም ዘውጽአትሉን ጸኒሑ ድማ እቲ እንስሳ ብሓደ ሓኪም እንስሳ ከም ዝተቐትለ ሓቢራ፡፡ ኣብ መወዳእታ ድማ “ እቲ ምጹጽላይ ብምማቱ የጉህየኒ፡፡ ግን ከኣ ዋላ ሓደ ክገብሮ ዝኸል ነገር ኣይነበረን፡፡ ብምባል ዘረባኣ ዛዚማ፡፡