ለበዳ ኮሮና ዓሚ ካብ ዝኽሰት ንደሓር ካብ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣትሒዙ ኣብ ዉሃን 11 ሚልዮን ሰባት ተመርሚሮም ምህላዎም ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ዕላማ ናይ’ዚ መርመራ፡ ኣብታ ከተማ ክኽሰት ዝኽእል ለበዳ ንምዕጋት ምዃኑ ተፈሊጡ። ትሕቲ 6 ዝዕድሜኦም ቆልዑ ገዲፍካ ዳርጋ መላእ ተቐማጦ እታ ከተማ ተመርሚሮም ኣለዉ። በዚ ድማ ክሳብ ቀዳም ኣብ ዝነበረ ግዜ 37 ዝተለኽፉ ሰባት 41 ከኣ ዝኾነ ምልክታት ዘየርኣዩን ሰባት ከም እተረኽቡ ወኪል ዜና ኒው ቻይና ሓቢሩ። ኣብዚ መርመራ 28 ሽሕ ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና ኣብ 2800 ኑቕጣታት ተዋፍሮም ኣለዉ።
ልዑል ናይ ለበዳ ዓቕሚ ዘለዎ ዝንገረሉ ጅር ደልታ፡ ካብ ደርዘን ኣብ ዝልዕላ ከተማታት ቻይና፡ ኣስፋሕፊሑ ምህላዉን በዚ ድማ ሚልዮናት ተቐማጦ ቤይጂንን ካልኦት ዓበይቲ ከተማታት ቻይናን ኣብ ገዛ ክዕጸዉ ተገዲዶም ምህላዎም ተገሊጹ።