ኣብ ዝሓለፈ 15 ዓመታት መጠን ናይቶም ኣብ ወጻኢ ዝተወልዱን ኣብ ሓደጋ ድኽነት ዘለዉን ጡረተኛታት ካብ 15% ናብ 23% ምዕባዩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ስለምንታይ የጋጥም ምህላዉ ንምርዳእ ገና ከም አይተኻእለን ካብ ኤጀንሲ ጡረታ ሽወደን እተረኽበ ሓድሽ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ኣብ ሓደጋ ድኽነት ምእታው ማለት ካብ ማእከላይ ኣታዊ ትሕቲ 60% ምህላው ማለት እዩ። ኣብ ኤጀንሲ ጡረታ ሽወደን ዳይረክተር ምርምርን ልምዓትን ኦለ ስተግረን ነዚ ናይ ቀረባ ጸብጻብ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣብ ትሑት ኣታዊ ዘለዉ ሰባት መጠን ጡረታኦም ንኸመሓይሹ ተባሂሉ ዝተዳለወ መጻወድያ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢሉ’ሎ።