ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ካብ ሃገሮም ወጻኢ ዝቕመጡ ሽወደናውያንን፡ ሽወደናዊ መበቆል ዘለዎምን ኣመሪካውያን፥ ኣብዚ ቀዳመ-
ሰንበት “ሚድሳመር’ ከብዕሉ እዮም። ሻርሎት ኦግረን መስራቲት ማሕበር ሽወደናውያን ኣብ ላንደን ኮይና፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት
ዝርከቡ ሽወደናውያን ካብ ዝተኣኻኸቡሎም ዓበይቲ ናይ ኦንላይን ኮማት ሓንቲ እያ። እዚ ማሕበር ኣብዚ ቀዳመ-ሰንበት መደብ
“ሚድሳመር” ከአንግድ እዮም።
"ንኣስታት 300 ሰባት ዝኸውን ባህላዊ ሽወደናዊ መግቢን ድራርን ነዳሉ ኣለና …ድሕሪኡ ድማ ኣስታት 150 ሰባት ምሸት
ክጽንበሩና፡ ምሉእ ለይቲ ክስዕስዑን ነዚ ናይ ሚድሳመር ጽንብል ከድምቕዎን እዮም" ክትብል ንሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ። እቲ
ምትእኽኻብ ትውፊታዊ በዓል ሚድሳመር ንምጽንባል ኣድላዪ እዩ ዝበሎ መጸናብርቲ ንምምላእ ብእኡ ኣቢሎም ድማ ብዛዕባ እዚ
በዓል ን ኻልኦት ዜጋታት ንምፍላጥ ክሰርሑ ምዃኖም ኦግረን ወሲኻ ሓቢራ’ላ። 50 ሚእታዊት ካብዚ ምትእኽኻብ ጥራይ ብ
ሽወደናውያን ክምላእ ምዃኑ ዝተረፉ ግና ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ዝኾኑ ኣዕሩኽ፡ መሳርሕቲን ካልኦት ግዱሳትን ክዕደሙ እዮም–
ክትብል ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።