ትማሊ ምሸት፡ ኣብ ወደብ ኖርሾፒንግ፡ ብሰንኪ ተኣኪቡ ዝነበረ ጽራብ ዕንጨይቲ (ሪሺ)፡ ሓደጋ ባርዕ ከምተኽሰተን፡ ኣሃዱታት መጥፋእቲ ሓዊ ነቲ ባርዕ ኣብ ትሕቲ ቅጽጽር እኳ እንተእተውዎ፡ መስርሕ ምጥፋእ ሓዊ ንቅሩብ መዓልታት ክቕጽል ምዃኑ ጨንፈር ህጹጽ ረድኤት ሓቢሩ ክብል TT ኣቃሊሑ።
ካብቲ ሓደጋ ባርዕ ዝመንጨወ ትኪ፡ ብሰንኪ ካብ ምዕራባ ዝብገስ ንፋስ፡ ንቁሩብ መዓልታት ክቕጽል ስለዝኽእል፡ ነበርቲ ናይቲ ከባቢ፡ ኣብ ገዝኦም ክጸንሑ፡ ማዕጾታት፡ መሳኹትን ንፋስ መእተውን ክዓጽዉ ከምዘለዎም ሰብ መዚ’ቲ ከባቢ ኣዘኻኺሮም።
ኣብ ወደብ ኖርሾፒንግ ዝርከብ መደበር መመንጨዊ ጸዓት፡ Eon፡ ጓሓፍን ጽራብ ዕንጨይቲን ብምቅጻል፡ ንኣገልግሎት’ቲ ወደብ ዝውዕል ሓይሊ ኤሌክትሪክን ዋዕን ዝፈጥር እዩ።
ኣብ መስርሕ ምጥፋእ ሓዊ፡ ሄሊኮፕተራትን መካይንን ከምተሳተፋ ተፈሊጡ።