ኣብ እንኣትዋ ዘለና ወርሒ ግንቦት፡ ዝያዳ ሕሙማት ኮቪድ ናብ ሆስፒታላት ክመጹ ከም ዝኽእሉ፡ ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ምትንባዩ፡ ኣገልግሎት ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ መዓልታዊ 25 ሕሙማት ኣብ ሆስፒታል ከም ዝእለዩ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ኣብ መፋርቕ ዝመጽእ ወርሓ ግንቦት ግና፡ እዚ ኣሃዝ ብዕጽፊ ክውስኽ እዩ ክብል ዳገንስ መዲሲን ጸቢጺቡ’ሎ። ኣብዚ ካብ ሚያዝያ 20-ሓምለ 20 ክዝርጋሕ እዩ ተባሂሉ ተነብዩሉ ዘሎ ተርእዮ፡ መዓልታዊ ኣስታት 60 ሕሙማት ድር ኦሚክሮን BA.2 ኣብ ሆስፒታል ክእለዩ እዮም–ብመሰረት እዞም ጸብጻባት።