ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ ኣብ ሽወደን፡ መጠን ብዝሒ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት ክሳብ 502 ሽሕ ምብጽሑን መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ድማ 8.9% ምብጽሑ ተሓቢሩ። ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ድማ ብዝሒ ስራሕ ኣልቦ ብ 112 ሽሕ ክውስኽ እንከሎ፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ድማ ብ 2% ምውሳኹ ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት ስታቲስቲክስ ሽወደን (SCB) ከምዝሓበረ TT ኣቃሊሑ።
መጠን ብዝሒ ስራሕ ኣብ ሽወደን ክሳብ 68.3% በጺሑ ከምዘሎ፡ እዚ ድማ 5 ሚልዮንን 150 ሽሕ ስራሓት ማለት እዩ። ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ብ 119 ሽሕ ምንካዩ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።