ብብሕቲ ኣብ ዝውነን ኲባንያ ክንክን “ሁማና” ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰባት፥ ኣብ ጒዳይ ውልቃዊ ሓገዝ ዓሎቕ ይፍጸም ምህላዉ
መተሓሳሰቢ ኣቕሪቦም ምንባሮም፡ እንተኾነ ግና እቲ ኲባንያ ናብ ትግባረ ዘይምስጋሩ፥ መርማሪት ፕሮግራም ሬድዮ ሽወደን–
‘ካሊበር” ኣቃሊዓ። እዚ ኲባንያ ውልቃዊ ሓገዝ ናይ ምሃብ ፍቓዱ ካብ እተሰረዘሎም ምኽንያታት ሓደ፥ ን ጒዳያት ዓሎቕ
ዝሕዘሉ ግጒይ ኣገባብ ምዃኑ እታ ፕሮግራም ወሲኻ ገሊጻ’ላ።
ኲባንያ ‘ህዩማና” ነቲ ውሳነ ይግባይ ምባሉን እቲ ክሲ ናብ “ቤት ፍርዲ ምምሕዳር” ምሕላፉን ተፈሊጡ’ሎ።