ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ምልክታት ድሕረ- ሕማም ኮቪድ ዘርኣዩ፡ መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም፡ 11 ሽሕ ሰባት፡ ኣብ ክፍሊ ቀዳማይ ረዲኤት፡ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ከም ዝረኸቡ፡ ሃገራዊ ቦርድ ጥዕና ሽወደን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
መብዛሕትኦም ከምዚ ዓይነት ኣጋጣሚታት፡ ኣብ ምምሕዳር ኡፕሳላ ከም ዝተራእዮ፡ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።
6100 ምልክታት ድሕረ- ሕማም ኮቪድ ዘርኣዩ ሰባት ኣብ መንግስታዊ ሕክምና፡ 5000 ሕሙማት ድማ ኣብ ናይ ውልቂ ሕክምና ኣገልግሎት ከምዝረኸቡ ብምውሳኽ ገሊጹ።
እዚ ዳህሳስ፡ ካብ መፋርቕ ወርሒ ጥቅምቲ 2020 ክሳብ ወርሒ መጋቢት 2021 ኣብ ዝነበረ እዋን ከም ዝተኻየደ ይፍለጥ።