ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ማእከል ጥዕና ሉንድ፡ ሸውዓተ ሰባት፡ ኣብ ክንዲ ብክታበት ኮቪድ፡ ብመበጽበጺ መድሃኒት (Saline) ብጌጋ ከምዝተኸትቡ፡ ድሒሩ ከምዝተረጋገጸ ጸብጻባት እቲ ማእከል ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ኣየኖት ሸውዕተ ምዃኖም ክፍለጥ ስለዘይተኻእለ፡ እቶም ኣብታ መዓልቲ ዝተኸትቡ 298 ሰባት፡ ብምሉኦም ከምእንደገና ክኽተቡ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።
ብዝሒ ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለ ክታበትን ምስ ብዝሒ ዝተኸትቡ ሰባትን ድሕሪ ምንጽጻር ፍልልይ ስለዝተረኽቦ፡ እቲ ዝተፈጸመ ጌጋ ከምዝተረኽበ ሓላፊ ሕክምና ምምሕዳር ስኮነ፡ ዮርገን ሆሃንሰን፡ ሓቢሩ።