ኣብ ክንክን ጥዕና ሽወደን ዘሎ መስርዕ ሪጋ ንምሕጻር፥ ኣብ ዝሓለፋ ዓመታት ዝተፈላለየ ጻዕርታት እኳ እንተተገብረ፡ ብኣንጻሩ እቲ
መስርዕ እናነውሐ ምምጽኡ “ሃገራዊ ቤት ጽሕፈት ኦዲት” ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ኣብ 2010፥ ኣብ ውሽጢ 90
መዓልታት ተሓከምቲ ዘድልዮም ክንክን ክረኽቡ ውሕስነት ዝህብ ኣገባብ ብክፍሊ ክንክን ጥዕና ተኣታትዩ ምንባሩ፥ እንተኾነ ግና
ልዕሊ 40 ሚእታዊት ካብ ተሓከምቲ ካብዚ ዝተወሰነ መዓልቲ ንላዕሊ ምጽባዮም እቲ ጸብጻብ ኣቃሊዑ’ሎ። ነዚ ነዊሕ ሪጋ
ትጽቢት ተሓከምቲ ንምቚራጽ፥ ኣስታት 10 ቢልዮን ክሮና ወፍሪ ተጌሩ እዩ። ይዂንምበር እቲ ኲነታት ክቕየር ከም ዘይተኻኣለን
ዝያዳ ጻዕርታት ክካየዱ ከም ዝግብኦምን፥ እቲ ቤት ጽሕፈት ለበዋኡ ብምቕማጥ ጸብጻቡ ዛዚሙ’ሎ።