ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት፡ ተሓጋገዝቲ ሓኪም ( nurses)፡ መወልዳን (midwives)፡ ባዮሜዲካል ተንተንቲ (biomedical analysts)፡ ክኢላታት ኤክስረይ (X-ray nurses) ዝርከብዎም 2500 ሰራሕተኛታት፡ ካብ ኣገልግሎት ክንክን ሕሙማት ከምዝተሰወሩ፡ እዚ ድማ 5% ጉድለት ምዃኑ ቮርድፎ ዝተባህለ ጆርናል ኣብ ዝገበሮ ዳህሳስ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ብፍላይ ባዮሜዲካል ተንተንትን ተሓጋገዝቲ ሓካይምን፡ ካብ ክንክን ሕሙማትን ካብ ሆስፒታላትን ክስወሩ እንከለዉ፡ እቶም መወልዳን ዝነበሩ ድማ ናብ ኣገልግሎት መባእታዊ ክንክን ጥዕና ከምዝቐየሩ እቲ ዳህሳስ ገሊጹ።
ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ኣብ ኣገልግሎት መባእታዊ ክንክን ዝሰርሑ ቁጽሪ ናይ ተሓጋገዝቲ ሓካይም ምውሳኹ ዝገለጸ እቲ ዳህሳስ፡ እቲ መጠን ግን ምስቲ ኣብ ክንክን ሕሙማት ዝተራእየ ዋሕዲ ዝወዳደር ኣይኮነን። ብዙሓት ተሓጋገዝቲ ሓካይም፡ ካብ ክንክን ሕሙማት፡ናብ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ወይ ድም ናብ ዓውድታት ምርምርን መጽናዕትን ከምዝቐየሩ እቲ ዳህሳስ ወሲኹ ገሊጹ።
ኣብ መባእታዊ ክንክን ጥዕና፡ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ምምሕዳር ዝሰርሑ ኣባላት ካብ ዓመተ 2010 ጀሚሩ፡ ብ12,472 ምውሳኹን እዚ ድማ ናይ 49% ወሰኽ ምንባሩ እቲ ዳህሳስ ገሊጹ።