ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት፡ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ክሮኖፎግደን (Kronofogden) ተመዝጊቦም ዘለዉ ጉዳያት ብ 11.5% ምውሳኹ ተፈሊጡ። ምስ ናይ ዝሓለፉ ዓመታት ብምውድዳር፡ ቁጽሪ ናይቶም ዘይተኽፍሉ ዕዳታትን መጠን ልቓሕን፡ ናይዚ እዋን፡ ዝዓበየ ምዃኑ ሬድዮ ሽውደን ሎሚ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ምስ ስሉጥነት ዲጂታላዊ ኣገባብ፡ መጠን ተለቃሕቲ እናወሰኽ ምምጽኡ ሓላፊት ናይቲ ክፍሊ፡ ሬቤካ ኡማን፡ ገሊጻ።
ኣብ ፈለማ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት፡ እቲ በዓል መዚ ክሳብ 644 ሽሕ ዝኸውን ሕቶታት ዘይተኸፍሉ ልቓሕ ምቕባሉን እዚ ድማ ምስ ኣሃዝ ናይ ዝሓለፈ ዓመት እንክነጻጸር እንከሎ፡ ናይ 11.5% ወሰኽ ከም ዘለዎን ዘርኢ እዩ ድማ ኢላ። ብድምር፡ 11 ቢልዮን ክሮን ዝኸውን ገንዘብ ምዃኑን፡ ዝበዝሑ ተለቃሕቲ ድማ ኣብ ክሊ ዕድመ 18-25 ከም ዝርከቡን ዘመልከተ እቲ ጸብጻብ፡ ብፍላይ ደቀንስትዮ ተጠቀምቲ፡ ቁጽረን እናበዝሐ ክመጽእ ምጽንሑ ኣስሚራትሉ።
እዚ ዘለናዮ እዋን፡ ኣሸጋሪ ብምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዕዳታት ዝእክባ ኩባንያታት፡ ናይ ኣከፋፋል ኣገባብ ንኸተኣታትዋ ውጥን ንኽሰርዓ ፍቓደኛታት ምዃነን ረበካ ኡማን ወሲኻ ገሊጻ።