ኣብቲ እዋን ከም ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዝረአ ዝነበረ ህዝባዊ ተቓውሞ “ፋኖ” ከኣ ኣብ ኣምሓራ ብፍላይ ከኣ ኣብ ከባቢ ጎንደር ናይ መንእሰያት ሕቡእ ውዳበ ከምዝነበረ እዩ ዝንገር።
ካብኡ ንደሓር ግን ኣብታ ሃገር ብዝተፈጥረ ዘይምርግጋእ ብተደጋጋሚ ሽሙ ዝለዓል ናይ ዕጡቓት ጉጅለ ኮይኑ።
ሓይልታት ትግራይ ምስ መንግስቲ ፈደራል፡ ኣብ ዝገበርዎ ውግእ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተፈላለየ ቦታታት ኣብ ዝተቖጻጸረሉ እዋን ምስ ሓይልታት መንግስቲ ከምዝተሰለፉ ቢቢሲ ዘዛረቦም ሓለፍቱ ይዛረቡ።
ብዛዕባ ፋኖ ዝዛረቡ ዝተፈላለዩ ሰባት፡ ዝኾነ ሰብ ተበዲሉ ንበረኻ ዝወጽአ ጭቆና ጸሊኡ ወይ መሪሩዎ ጠበንጃ ዘልዓለ ” ፋኖ” ከምዝበሃል ይገልጹ። ብኣገላልጻ እዞም ሰባት “ፋኖ” ግፍዒ ዝፈጠሮ ናይ ለውጢ ሓይሊ እዩ።
እቲ ጉጅለ ኣብ ህዝቢ ኣምሓራ ከም ናይ ህዝቢ ደጀን ክቑጸር እንከሎ፡ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሞ ገን፡ ጥሩፍ [ኣኽራሪ] ዕጡቕ ጉጅለ ኣምሓራ ክብል የውግዞ።
ዓለም ለኸ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ከኣ፡ እቲ ጉጅለ ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ብዙሕ ሰብኣዊ ግህሰት ፈጺሙ’ዩ ክብሉ ይውንጅልዎ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝንቀሳቐስ ፋኖ እንታይ ይመስል?
ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ናይ ፋኖ ውዳበ ይርከብ። ኣብ ሸዋን ወሎን ኣብ ጎንደርን ጎጃምን ንገዛእ ርእሱ ዝወደበሉ ግዜን ባህርያትን ኣሎ።
አቶ ዘመነ ካሴ ንዝሓለፈ ሸሞንተ ወርሒ ነቲ ኣብ ጎጃም ዝተወደበ ጉጅለ “ፋኖ” ይመርሖ ኣሎ። ንሱ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ እትርከብ ቀስታ ኣብ እትበሃል ቦታ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ከምዝተዋግአ’ውን ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ስለምንታይ ፋኖ ክውድብ ከምዝደለዩ ተሓቲቱ ክምልስ እንከሎ፡ “ህዝባዊ ኵናት ስለዝተኣወጀና፡ ህዝባዊ ምላሽ ክንህብ ግዴታ ኣሎና” ይብል። አቶ ዘመነ እቲ ህዝባዊ ውዳበ ኣብ ኩሉ ክፋል ክልል ኣምሓራ ከምዘሎ ይኹን እምበር እቲ ኣብ ጎጃም ዘሎ ኣወዳድባ ቁሩብ ሕይል ከምዝብል ንቢቢሲ ይዛረብ።
መንእሰያት ወሎን ሸዋን ‘ፋኖ ምብራቕ ኣምሓራ’ ዝብል ህዝባዊ ውዳበ ከምዝፈጠሩ ናይቲ ጉጅለ ናይ ትምህርትን ስልጠናን ህዝባዊ ርክባት ሓላፊ ኣቶ አበበ ፈንታው ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣብ 2008 ብሃገር ደረጃ ኣብ ዝነበረ ህዝባዊ ናዕቢ መንእሰያት ራያ ብሕቡእ ከምዝተወደቡ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ሓይልታት ትግራይ ደሴ ምስ በጽሑ ከኣ ናይ ፋኖ ሓይሊ ከምዝወደቡ፡ ክሳብ 2011 ግን ዕጥቂ ከምዘይነበሮም አቶ አበበ የረድእ።
källa: BBC Tigrinja