ኣብ ሸወደን ዝርከባ ክሊኒካት ስነ-ጽባቐ፥ ከቢድ ጸገማት ጽሬትን ውሕስነትን ከም ዘለወን፥ ትካል ምቊጽጻር ማሕበራዊ ጥዕናን
ክንክን ኣብ ዝወጽኦ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ብ መጥባሕቲን መራፍእን ክንክን ስነጽባቐ ዝህባ 33 ክሊኒካት ዝመርመረ ትካል
ምቊጽጻር ጥዕናን ማሕበራዊ ክንክንን፥ ኣብ ኲለን ገዚፍ ጒድለታት ምዕዛቡ ገሊጹ’ሎ። ብጠቕላላ ኣስታት ፍርቂ ካብዘን
ክሊኒካት እቲ ልክዕ ቅጥዕታት ዘማልኣ ኣይኮናን። ከም መርኣያ ናይዚ፥ ኣብ ክልተ ኣጋጣሚታት እዘ ትካላት እዂል ብቕዓት
ብዘይብሎም ሰራሕተኛታት መጥባሕቲ ከም እተኻየደ እቲ ጸብጻብ ጠቒሱ። ሓንቲ ካብዘን ክሊኒኣት ንተገልገልቲ ካብ ዝግባእ ዓቐን
ንላዕሊ መደንዘዚ ከም እትወግእ ምርግጋጹ፥ እዚ ድማ ን ወቕዒ ስርዓተ ምስትንፋስ ከቃልዕ ከም ዝኽእል ወሲኹ ኣመልኪቱ።
ብዘይካዚ፥ ኣብቲ ክሊኒካት ዝርከብ ናውቲ ህይወት ኣድሕን ኣብ 1997 ኤክስፓየር ዝገበረ ኮይኑ፥ ኦክስጅን ከኣ የብሉን።
"ኣብዘን ትካላት ዘሎ ገዚፍ ሃጓፍ፥ ኣብ ጥዕና ተገልገልቲ ዓብዪ ሓደጋ ጥዕና ክፈጥር ይኽእል እዩ። ኣብ ፍሪጃተን መድሃኒትን
ሕብስትን ብሓደ የቐምጡ፡ ሕጻብ መድሃኒትን ኬሚካላትን ናብ ላቫንዲኖ ከፍስሱ፥ ከምኡ’ውን ካልእን ሓደገኛ ተግባራት ክፍጽሙ
ተዓዚብና ኣለና። እዚ ንጥዕና ተገልገልቲ ኣዝዩ ኣስጋኢ እዩ" ክብል ጎራን ኦልሰን ካብቲ ትካል ሓቢሩ።