ካብ ቀረባ መዓልታት ኣትሒዙ ኣብ ሱዳን ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ጽዑቕ ኲናት ሕድሕድ፥ ብዙሓት ሃገራት ኣባላት ዲፕሎማሰኛታተንን
ዜጋታተንን የውጽኣ ምህላወን ተገሊጹ። 25 ዜጋታት ሽወደን፥ ኣባላት ኤምባሲን ሰራሕተኛታትን ምስ ስድራቤቶም፥ ትማል ሰኑይ
ከባቢ ፍርቂ ለይቲን ፈረቓን ከም ዝወጹ ዝፍለጥ እዩ። ይዂንምበር ኣብ ሱዳን ዛጊት 150 ዜጋታት ሽወደን ተሪፎም ኣለዉ ክብል፥
ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሰን ትማል ሰኑይ ንግሆ ኣብ ዝሃብ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጹ’ሎ።
ን ኲነታት ሱዳን ኣብ ምክትታል ዝርከብ ወኪል ሬድዮ ሽወደን ኣብ ኣህጒር ኣፍሪቃ ሪቻርድ ማይረንበርግ "ኣብ ውሽጢን ከበቢን
ካርቱም ዘሎ ኲነታት ዕግርግር ዝመልኦ እዩ፡ ኲሉ ነገር ይፈረስ እዩ ዘሎ። ካብ ኲሉ ዘሻቕል ድማ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቚጽሩ
ሰባት ብዘይ ማይን መግብን ተሪፎም ኣለዉ" ክብል ጸብጺቡ’ሎ።