ኣስታት 20% ካብ ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ካምፓስ ማኒላ–ስቶክሆልም–ኣብ ዲጂታላዊ ናይ ጽሑፍ መርመራ ስርዓታዊ ዝኾነ
ዓሎቕ ይፍጽሙ እዮም ተባሂሎም ከም ዝጥርጠሩ፥ ጋዜጣ “ዳገንስ ንሂተር” ጸብጺባ። 51 ካብ 260 ተማህሮ ኣብቲ ስርዓተ
ዲጂታል ንዘሎ ናይ ሰኲሪቲ ነዃል ብምምዝማዝ ነዚ ዓሎቕ ይፍጽሙ ምህላዎም፥ ውሽጣዊ መርመራ ገሊጹ’ሎ። ሓደ መምህር
ነዚ ኲነታት ኣመልኪቱ ነቲ ቤት ትምህርቲ ድሕሪ ምትሕስስሳቡ፥ ዝሓለፈ ሰሙን መርመራ ምክያዱ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።
እዚ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ከምዚ ዝበለ ንዓሎቕ ዝተቓልዐ ስርዓተ ዲጂታል ዘለዎ ምዃኑ ከም ዘሕዘኖ፡ እዚ ተግባር ፈጺሙ
ተቐባልነት ከም ዘይብሉን ርእሰመምህር እቲ ቤት ትምህርቲ ሮበርት መኒላ ገሊጹ’ሎ።
ደቂ ሃብታማት፥ ከምኡ’ውን ደቂ ንጒሳዊ ቤተሰብ ሽወደን፥ ኣብ ደሴት ዩርጋርደን ኣብ ዝርከብ ካምፓስ ማኒላ ከም ዝመሃሩ
ዝፍለጥ እዩ።