ኣብ ከተማ ኮፐንሃገን ዝርከብ ህንጻ፡ ኣሃዱ ኣታዊ ግብሪ ዴኒማርክ፡ ብዕለት 06/08/2019 ምፍንጃሩ ይዝከር። መስርሕ ፍርዲ፡ ናይቶም ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ነይርዎም ተባሂሎም ዝተኸሰሱ ክልተ ሽወደናውያን፡ ዕለት 29/06/2020 ከምዝጀመረን ትማሊ ዕለት 09/07/2020 ድማ ውሳነ ከምእተዋህበ ተሓቢሩ። ክልቲኦም ክሱሳት፡ ብግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ገበነኛታት ኮይኖም ስለዝተረኽቡ፡ ናይ 4 ን 5 ዓመት ማእሰርቲ ከም ዝተበየነሎምን ፍርዶም ምስ ወድኡ ድማ ብቐጥታ ካብ ዴኒማርክ ክባረሩ ምዃኖም መርበብ ሓበሬታ ዴኒማርክ ገሊጹ ክብል ሬድዮ ሽወደን ኣቃሊሑ።
እዞም ክልተ ገበነኛታት ነቲ ነቷጊ ካብ ሽወደን ብቢንቶ ኦሪሰንድ ኣቢሎም ናብ ዴኒማርክ ዘእተውዎን ካልኦት ተሓባበርቲ ክህልዎም ከምዝኽእል ፖሊስ ዴኒማርክ ይግመት።ንምኽንያት ናይቲ ፍጻመ ብዝምልከት ግን ክሳብ ሕጂ ንጹር ዝኾነ ስእሊ ከምዘየለ ፖሊስ ዴኒማርክ ይሕብር።
ዝሓለፈ ክረምቲ፡ መንግስቲ ዴኒማርክ ምስ ሽወደን ዘዳውባ ከባቢታት ጽዑቕ ምክትታል ክትገብረሉ ምዃና ሓቢራ ከምዝነበረት ይፍለጥ። እዚ ፍጻሜ ሓደ ካብቶም ኣበገስቲ ምኽንያታት ምንባሩ ድማ ገሊጻ።