ኣብ ከባቢታት ሊክሲላ፡ ኦምዮን ሸልቭትዩ ዝርከባ መደበር ጥዕናታት ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮና እቲ ዝወሓደ ቁጽሪ ናይ ልቢ ጸገማት ዘለዎም ሕሙማት ከምዘአንገዳ መዝገባተን ይሕብሩ። ናብ ኣሃዱ ህጹጽ ሬድኤት ሆስፒታል ሊክሲላ ዝመጹ ብዝሒ ግዳያት ወቕዒ ልቢ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኮሮና፡ ፍርቂ ቁጽሪ ናይቶም ቅድሚ ሕጂ ዝመጹና ዝነበሩ ሕሙማት ምዃኑ ሓላፊ ስርሒታት’ቲ ሆስፒታል ዝኾነ ሓኪም፡ ፒተር ሶረን፡ ንሬድዮ P4 Vasterbotten ሓቢሩ። ምኽንያት ዋሕዲ ናይ ልቢ ሕሙማት ኣብ ግዜ ኮሮና ድማ ክንርደኦ ኣሸጊሩና ኣሎ ይብል። ዝኾነ ኣብ ኣፍልቡ ቃንዛ ዝተሰመዖ ሰብ፡ ብሕማም ልቢ ተጠቒዑ ንኸይከውን ንምርግጋጽ ኣገልግሎት ጥዕና ናብ ዝረኽበሉ ቦታ ክድውል ይግባእ ክብል ሶሪን ኣዘኻኺሩ።