ዝበዝሑ ሰራሕተኛታት፡ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ስርሖም ከሰላስሉ፡ መንግስቲ ሽወደን፡ ድልየቱ ምዃኑ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ዝሓለፈ ዓመት፡ መንግስታውያን ኣካላት፡ ነቲ ካብ ገዛ ኮይንካ ናይ ምስራሕ ስጉምቲ ግብራዊ ከምዝኸውን ምግባረን ይዝከር። እቲ ስርሒት፡ ክሳብ 01 ሓምለ ዝጸንሕ ምዃኑ ዝፍለጥ እኳ እንተነበረ፡ ሕጂ ግን ክሳብ 15 መስከረም ክናዋሕ ከምዝተገብረ ተፈሊጡ።
ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮናን ኣብ ልዕሊ ኣሃዱ ጥዕና ዘሎ ጸቕጢ ልዑል ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ መንግስቲ፡ ነቲ ካብ ገዛ ኮንካ ናይ ምስራሕ ኣገባብ ኣብ ወቕቲ ክረምቲ ውን ክቕጽሎ ድልየት ከምዘለዎ ኣፍሊጡ ኣሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ግን፡ ሕብረተሰብ ሽወደን፡ ኩሉ ዓይነት ኣገግሎታት፡ ካብዘን መንግስታውያን ትካላት ንክረክብ፡ ኣገዳስነቱ ዝለዓለ እዩ ክትብል ሚኒስተር ሲቪላዊ ጉዳያት ሽወደን፡ ሌና ሚኮ፡ ኣብ ዘካየደቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሓቢራ።
መንግስታውያን ትካላት፡ ብጀካ እቶም ብኣካል ኣብ ቦታ ስራሕ ክርከቡ ዝግበኦም ሰባት እንተዘይኮይኑ እቶም ዝተረፉ ካብ ገዝኦም ክሰርሑ ክገብራ ሓላፍነተን ምዃኑ፡ ሚኮ፡ ኣዘኻኺራ።