ጸብጻባት ኣሃዱ ትምህርቲ ከምዝሕብሮ፡ ቅልውላው ኮሮና፡ ኣብ ልዕሊ ውጽኢት ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣይነበሮን ክብል ከምዝገለጸ TT ሓቢሩ።
ኣብዚ ዓመት’ዚ ካብ 9ይ ክፍሊ ናብ 10ይ ክፍሊ ዝሓለፉ መጠን ብዝሒ ተማሃሮ 85.3% ብምብጽሑ ነቲ ናይ ዓሚ ዝነበረ 84.3% ሓሊፍዎ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ብቑጽሪ ብርክት ዝበሉ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ (78.1%)፡ ነቲ ዝተመደበሎም 3 ዓመታት ብዓወት ክዛዝሙ እንከለዉ ዓሚ ግን ክሳብ 76.6% ካብ ብዝሒ ተመሃሮ ጥራይ ነቲ ዝተመደበሎም ግዜ ከምዝዛዘምዎ ተፈሊጡ።
ውጽኢት ተማሃሮ ምምሕያሹ፡ ዘሐጉስ እዩ። እዚ ድማ መርኣያ ኣተሓሕዛ ናይ ቤት ትምህርታትን መማህራንን ሽወደን ንቅልውላው ኮሮናን ዘረጋግጽ እዩ ክብል ላዕለዋይ ሓላፊ ኣሃዱ ቤት ትምህርታት፡ ፒተር ፍረድሪክሰን፡ ገሊጹ። እዚ ተረኺቡ ዘሎ ውጽኢት፡ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ክረአ ዝጸንሐ ምምሕያሽ ጽላት ትምህርቲ እዩ ክብል ብምውሳኽ ሓቢሩ።