ኣብ ኦቨርካሊክስ (Överkalix) ዝርከብ እንዳ መናበይ ኣረጋውያን ዝቕመጡ ዝነበሩ ሸሞንተ ሰባት፡ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ዘስዓቦ ጥዕናዊ ጸገማት፡ ካብዛ ዓለም፡ ብሞት ከምዝተፈልዩ ምምሕዳር ከተማ ኦቨርካሊክስ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ቅድሚ ክልተ ሳምንታት ኣቢሉ፡ ኣስታት 20 ዝኾኑ ኣባላትን ተቐማጦ ናይቲ እንዳ መናበይ ኣርጋውያን፡ ብኮቪድ ምልካፎም ከምዝተፈልጠ ናይቲ ከባቢ ሜድያ ገሊጸን።
ካብቶም ዝሞቱ ሸሞንተ ሰባት፡ ክልተ እብረ ክታበት ዝተኸትበ ሓደ ሰብ ከምዝነበረ ምምሕዳር ከተማ ሓቢሩ።
መልከፍቲ ኮቪድ ብምግጣሙ እኳ ክንቅበሎ ዘይከኣልና፡ ብሰንኪ ኮቪድ ዝሞቱ ክትሪኢ እንከለኻ ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ ክብል ሓኪም ተመሓላለፍቲ ሕማማት ምምሕዳር ኖርቡተን ገሊጹ።
ካብ ዕለት 13 መስከረም ጀሚሩ፡ ኣብቲ እንዳ መናበይ ዓበይቲ፡ ሓድሽ ዝተለኽፈ ሰብ ከምዘየለ፡ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።