ኣብ ኤውሮፓ፡ ኣሰካፊ ዝኾነ ምስፍሕፋሕ ኮሮና ይረአ ምህላዉ ወኪል ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ኣብ ኤውሮፓ፡ ሃንስ ክሎዊ፡ ምስ TT ኣብ ዝገበሮ ርክብ ሓቢሩ።
ለበዳ ኮሮና፡ ኣብ ወርሒ ሰኔ፡ ኣብ ዝተሓተ ደረጅኡ በጺሑ’ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ወርሒ መስከረም ግን ክውስኽ ይረአ ኣሎ። ምስ ምብዛሕ ኣብ መላእ ኤውሮፓ ዝካየዱ ዘለዉ መርመራታት ኮሮና፡ ብዝሒ ናይቶም ብቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ክውስኽ ግዴታ’ኳ እንተኾነ፡ ሓደገኛ ዝኾነ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ይረአ ምህላዉ ዘጠንቅቅ ምልክታት ይህብ ከምዘሎ፡ ኣብ ኮፐንሃገን ኣብ ዝተጋብአ ኣኼባ፡ ክሎዊ፡ ሓቢሩ።
ምስፍሕፋሕ ኮሮና፡ ኣብ ኣገባብ ኣነባብራና ዝሙርከስ እዩ። ቅድሚ ሕጂ ተቓሊስናዮ ኢና፡ ሕጂ ውን ክንቃለሶ ንኽእል ኢና ክብል፡ ክሎዊ፡ ወሲኹ ገሊጹ።
ምስ ምምጻእ ሓጋይ፡ መጠን ምስፍሕፋሕ ቫይረስ ኮሮና ክውስኽ ከምዝኽእል፡ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ሓቢሩ ከምዝነበረ ይዝከር።