ኣብ መንጎ ክልተ ኣብ ኣሊንግሶስ ዝከርባ ጉጅለታት ዝተፈጥረ ከቢድ ናዕቢ ብሰንኪ ንግዲ ዕጸ-ፋርስ ዝተኸስተ ምዃኑ ሓድሽ ሓበሬታ ገሊጹ ክብል TT ሓቢሩ።
ኣብቲ ዝተኻየደ ናዕቢ፡ ዕድሚኦም ኣብ መንጎ 20 ን 30 ዓመት ዝኾኑ ካብ 15 ሰባት ዝበዝሑ ከምዝተሳተፍዎን ኣርባዕተ ሰባት ድማ ከምዝተጎድኡን ሬድዮ ሽወደን ኣቃሊሑ።
እተን ክልተ ጉጅለታት፡ ኣብ ንግዲ ዕጸ-ፋርስ ዝተዋፈራ ናይ ገበን ጉጅለታት ክኾና ይኽእላ እየን ክብል ኣኽባሪ ሕጊ፡ ማትያስ ኾስቴድ፡ ገሊጹ።
ኣባላት ናይዘን ክልተ ጉጅለታት ኣብ ደማዊ ዝኾነ ጥምጥም እንከለዋ ሓንቲ መኪና ብናህሪ ብምምጻእ ብውሕዱ ንኽልተ ሰባት ከምዝገጨወት መሰኻኽር ሓቢሮም።
እቲ ኣጋጣሚ ምስ ሕሉፍ ምትፍናን ናይዘን ጉጅለታት ዝተኣሳሰር ክኸውን ከምዝኽእል፡ ወሃብ ቃል ፖሊስ፡ ቶማስ ፎክስቦሪ፡ ሓቢሩ።
ኣብ ኣሊንግሶስ ጠለብ ናይ ዕጸ-ፋርስ ድሩት ስለዝኾነ ንግዳዊ ውድድር ዕጸ-ፋርስ ዝሓየለ እዩ። ስለዝኾነ ድማ ንግዲ ዕጸ-ፋርስ ኣብ ቀጻሊ ምስሕሓብን ወጥርን እዩ ክብል ኾስቴድ ኣዘኻኺሩ።
ፖሊስ’ቲ ከባቢ ንሓደ ጥርጡር ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ የእትዩ ምስ ካልኦት ሰባት ድማ መርመራታት የካይድ ኣሎ።
ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ዓሰርተ ዝኾኑ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኣለውና። ሓደ ካብቶም መሰኻኽር ድማ ነቲ ፍጻሜ ዳርጋ ብምልኡ ኣብ ቪድዮ ቀሪጽዎ ኣሎ። ክንክተሎ እንኽእል መበገሲታት ብዙሕ ኣለና ክብል ቶማስ ፎክስቦሪ ገሊጹ።
ፖሊስ፡ ነቲ ከባቢ ንምቁጽጻርን ምክትታልን ዝያዳ ዓቕሙ ደሊቡ ኣሎ። ንተወሰኽቲ ሰባት ውን ክምርምር መደብ ኣውጺኡ ኣሎ።