ብ ሰንኪ ኣብ ልዕሊ ኣክቲቪስት ጀዋር መሓመድ ዘጓነፈ ናይ ጸጥታ ጸገም ስዒቡ፡ ካብ ሮቡዕ ጀሚሩ ኣብ መላእ ክልል ኦሮምያ ብዝተኻየደ ጎንጺ ዝተሓወሶም ተቓውሞታት ቁጽሪ ምውታት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ይውስኽ ከምዘሎ ጸብጻባት እታ ሃገር ይግሉጹ።
እዚ ኣብ ክልል ኦረምያ ብፍላይ ኣብ ከተማታት ኣምቦ፣ ድሬዳዋን ዶዶላን ኣብ ዝቐጸሉ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ሰባት ከም ዝተቐትሉ ተፈሊጡ። እዚ ባእሲ ካብ ናይ ተቓውሞ ሓሊፉ ናብ ምቕጻል ኣብያተ ክርስትያንትን መስጊድ ብምልሓቡ ናይ ዓለታውን ሃይማኖታውን ጎንጺ ከየምርሕ ብዙሓት መኣከናት ይገልጻ ኣለዋ።
ብመስረት ቲቪ 4 ሽወደን ን ፖሊስ ኮሚሽን ኦሮምያ ጠቂሳ ከምዝጸብጸብቶ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኦሮምያ ብሓፈሻ 67 ሰባት ክመቱ ከለዉ ብ ኣሸሓት ዝቑጸሩ ድማ ግዳይ መቑሰልትን ምምዝባላትን ከምዝኾኑ ትገልጽ።
ኣብ ዞባ ምዕራብ ኣርሲ ኣብ እትርከብ ከተማ ዶዶላ ብዝተወልዐ ጎንጺ ጥራይ፡ ብዉሕድ ሽድሽተ ሰባት ከም ዝሞቱ ተገሊጹ።