ዓለም፡ ካብቲ ንኢትዮጵያ ኣንጸላሊይዋ ዘሎ ሓደጋ ንምድሓን ዘኽእላ ግዜ እናተጸንቀቐ ይመጽእ ምህላዉ ላዕለዎት ሰበስልጣን ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቖም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ኣብ ርእሲ ከተማ ኢትዮጵያ፡ ኣዲስ ኣበባ፡ ዝርከብ ልኡኽ ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ኦሉስንጉን ኦባሳንጆ፡ ምስ ፕረዚደንትን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ድሕሪ ምርኻቡ፡ ስዒቡ ምስ መራሕቲ ክልል ትግራይን ኦሮሞን ከምዝተራኸበ ተሓቢሩ።
ክልቲኦም ወገናት፡ ኣብ መንጎኦም ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት፡ ፖለቲካዊ ጉዳይ ስለዝኾነ፡ ብዝርርብ ጥራይ ከም ዝፍታሕ ተሰማሚዖም ክብል ናይ ቀደም ፕረዚደንት ናይጀርያ ዝነበረ፡ ኦባሳንጆ፡ ንባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።
እቲ ኣብ ትግራይ ዝጀመረ ግጭት፡ ናብ ካልእ ክፋላት እታ ሃገር ከም ዝለሓመን፡ ኣብታ ሓንቲ ካብተን ዝዓበያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝኾነት ኢትዮጵያ፡ ውግእ ሕድሕድ ዝመስል ኩነታት ተፈጢሩ ከምዘሎ ይፍለጥ ዝበለ እቲ ልኡኽ፡ ኲናት ምህላዉ፡ ናብ ዝግበኦም ቦታታት ሓገዝ ንኸይባጽሑ፡ ኣሸጋሪ ገይርዎ ኣሎ፡ ኢሉ።
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣስታት 5.2 ሚልዮን ህዝቢ፡ ግዳያት ናይዚ ኩነታት ኮይኖም ከምዘለዉን ካብዚኣቶም ድማ፡ 400 ሽሕ፡ ብጥሜትን ዓጸቦን ተጠቒዖም ከምዘለዉ፡ ሓላፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ገሊጹ።
ኣብዛ 110 ሚልዮን ህዝቢ ዝቕመጣ፡ 90 ዓሌታትን 80 ቋንቋ እትዛረብን ሃገረ ኢትዮጵያ፡ እዚ ኲናት እንተድኣ ቀጺሉ፡ እንታይ ዓይነት ኩነታት ክፍጠር ከምዝኽእል ክትግምግም ኣይከኣልን እዩ ክትብል ምክትል ሓላፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሮዝመሪ ዲካርሎ፡ ኣብ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሓቢራ።
እዚ ግጭት ደው ከምዝብል እንተድኣ ዘይገርና፡ ምሉእ ውግእ ሕድሕድ ክጅምር ምዃኑ ርጉጽ እዩ ክትብል፡ ሮዝመሪ፡ ወሲኻ ገሊጻ።