ትማሊ ምሸት ከባቢ ሰዓት 11 ድ.ቐ. ኣብ ኡፕሳላ ኣብ ዝርከብ ክፍሊ-ገዛ ናይ ነትጒ ድምጺ ተሰሚዑ። ኣባላት ፖሊስ ዝኾኑ ናይ ድሕነት ኣሃዱ ናብቲ ቦታ መጺኣ ድሕሪ ምፍታሻ ካልእ ክፍንጀር ዝኽእል ንቷጒ ከምዘየለን፡ ናብታ ክፍሊ ውን እንታይ ዓይነት ምዃኑ ጌና ዘይተፈልጠ ነቷጒ ከምተደርበየ ገሊጾም ክትብል ኡፖሳላ ንያ ቲድኒን (Upsala Nya Tidning ) ሓቢራ።
ኣሃዱ ጸረ ነቶግቲ ኣብቲ ቦታ ተረኺባ ፈተሻ ድሕሪ ምክያዳ፡ ክፍንጀር ዝኽእል ነገር ከምዘየለ ከም ዝሓበረትን እቲ ቀንድን ልዕሊ ኩሉ ዝኾነ ድማ በቲ ዝተኸስተ ኣጋጣሚ ዝኾነ ዝተጎድአ ሰብ ዘይምህላዉ እዩ ክብል ሓላፊ ፖሊስ ከባቢ ሚታንስ ዝኾነ ቶር ስተንስ ንTT ኣብ ዝሃቦ ቃል ሓቢሩ።
ብሰንኪ እቲ ነትጒ ብምልኦም ነበርቲ’ቲ ከባቢ (ሉትሆገን) መንበሪኦም ሓዲጎም ወጺኦም ከም ዝነበሩን ድሕሪ እቲ ቦታ ምፍታሹ ግን ናብ መንበሪኦም ከምተምልሱ ተፈሊጡ ኣሎ።
ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ንብረት ዝወረደ ዕንወት ንምጽራይ መባእታዊ መርመራታት ክካየዱ ጀሚሮም ኣለዉ። ክሳብ ሕጂ በቲ ፍጻመ ዝተኸሰ ወይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ ሰብ ግን የለን።