ፖሊስ ስቶክሆልም ኣብ ንግዳዊ ማእከል ሺስታ ናይ ቶኽሲ ፍጻሜ ከምዝትኻየደ ሓበሬታ ምስ መጾ ብቕጽበት ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት ብምልኦም ከምዘውጸኦም ሓቢሩ።
እቲ ንግዳዊ ማእከል ብዓማዊል ኣዕለቕሊቑ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ናይ ቶኽሲ ፍጻመ ከምዘጋጥመን ብዙሓት ሰባት ናብ ፖሊስ ከምዝደወሉን ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ሓንቲ ኣሃዱ ፖሊስ ኣብቲ ቦታ ከምዘላ ካብ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ፡ ማትስ ኤሪክሰን፡ ቅድሚ ቅሩብ ንማዕከናት ዜና ሽወደን ሓቢሩ።
በቲ ፍጻሜ ዝኾነ ሰብ ዝተጎድአ ከምዘየለን ክሳብ ሕጂ ፈጸምቲ ናይቲ ቶኽሲ ከምዘይተታሕዙን ፈተነታት ቀጻሊ ምህላዉን ፖሊስ ሓቢሩ።
ኣብቲ ናይ ቶኽሲ ፍጻሜ፡ ሰለስተ ሰባት ከምዝተሳተፉ ኣፍቶንብላደት ንዝመጻ ሓበሬታ ብምውካስ ገሊጻ።
እቲ ፍጻሜ ናይ ዘረፋ (ስርቂ) ፈተነ ክኸውን ከምዝኽእል ፖሊስ ገሊጹ።