ብ UN ዝተደገፈ ጽጹይ ሓበሬታ ምርኩስ ብምግባር፡ ኣብ ትግራይ ጥሜት ድሮ ከም እተኸስተ፡ ጸሓፊ ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ማርክ ላውኮክ፡ ገሊጹ።
ሕጂ ኣብ ትግራይ ጥሜት ኣሎ፡ ኣዝዩ እናተጋደደ ክኸይድ እዩ ድማ ኢሉ። ኣብ ክልል ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን 350 ሽሕ ዝኾኑ ሰባት ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ቅልውላው ምህላዎም እቲ ዳህሳስ ብምውሳኽ ኣመልኪቱ።
ኣብ ትግራይ፡ ብሰንኪ እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያን መላፍንቱን መንግስቲ ኤርትራን ሚሊሻ ኣምሓራን ብዝተኸፍተ ኲናት፡ 1.7 ሚልዮን ሰባት ካብ መረበቶም ከም እተፈናቐሉ ይፍለጥ። ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲነታት ናብ “ከቢድ ቅልውላው” ከም ዝዓረገ ዘመልከተ እቲ ጸብጻብ፡ ጥሜት፡ ናብ ሰፋሕቲ ቦታታት ተዘርጊሑ ምህላዉ ገሊጹ። “ሞት ኣብ በርና ይኲሕኲሕ ኣሎ” ብምባል ኣብ ጠርዚ ጥሜት ምህላዎም ኣብ ምዕራብ ትግራይ፡ ቃፍታ ሑመራ፡ ዝርከቡ ነበርቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ገሊጾም ኣለዉ። ዝብላዕ የብልናን፥ ዝነበረና እኽልን ጥሪትን ን ዝሓለፈ ሸውዓተ ኣዋርሕ ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ብሰራዊት ኤርትራን ኣምሓራን ተዘሚቱ ክብል ካልእ ነባሪ እቲ ከባቢ፡ ንቢቢሲ ብተሌፎን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ። ብዘይካዚ ረድኤት ንኸይሓቱ ብሚሊሻ መንግስቲ ይኽልከሉ ምህላዎም ወሲኹ ኣመልኪቱ።
ኣህጒራዊ ማሕበረሰብ፡ ቅልጡፍ ግብረመልሲ ንኽህብ፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም (WFP) : ውድብ ሕርሻን መግቢን (FAO) ከምኡውን UNICEF ጸዊዖም ኣለዉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ብዝተወሃሃደ ምደባ ኲነታት (IPC) ዝተገብረ መጽናዕቲ ብምንጻግ፡ ኣብ ትግራይ ረድኤት ናብ ሰፋሕቲ ቦታታት ከም ዘብጽሐን ኣብቲ ክልል ሰላምን ምርግጋእን ከም ዘስፈነነ እዩ ዝገልጽ ዘሎ።