ብሪጣንያ፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ፡ ብርቱዕ ጥሜት ክኽሰት ከም ዝኽእል ብምግላጽ ነቲ ኲነታት ኣዝዩ ሕማቕ እዩ ክብል ኣጠንቂቓ ኣላ።
ፍሉይ ልኡኽ ምክልኻል ጥሜት ብሪጣንያ፡ ኒክ ዳየር፡ ናብታ ብኲናት ትሕመስ ዘላ ትግራይ፡ ብኣካል በጺሑ ነቲ ህሉው ኲነታት ድሕሪ ምርኣዩ እዩ፡ ከምዚ ዝበለ መደምደምታ ሂቡ ዘሎ።
ተጋሩ ብሰራዊት ኤርትራ፥ ኢትዮጵያን ኣምሓራን ቀጻሊ ግፍዒ ይወርዶም ምህላዉ፥ ሕጂ’ውን ቅትለትን ምዕማጽ ደቀንስትዮን ብሰፊሑ ይቕጽል ምህላዉ ኣመልኪቱ። ሰራዊት ኤርትራ፡ ሓረስቶት ትግራይ ኣብ ማሕረስ ከይዋፈሩ መሳርዕን ዘርኢን ኮነ ኢልካ ከም ዝዓንዉን፡ ምሉእ ዓዲታት ከም ዝቃጸላ ይገብሩ ምህላዎም ዘመልከተ እቲ ጸብጻብ፡ ዝበዝሐ ህዝቢ ትግራይ፡ ብሰንኪ ምዕጻው ጽርግያን እቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ክባጻሕ ይከኣል ዘይምህላዉ ገሊጹ። ኣብ ትግራይ፡ ብዘይካ ሒደት ነቚጣታት ጥዕና፡ ካልኦት ኮነ ኢልካ ብሰራዊት ክልቲኣተን ሃገራት ዓንዩ ወይ ተራስዩ ናብ ኤርትራ ከም ዝገዓዘ፥ ህዝቢ ትግራይ፡ ከኣ ጥሜት ጥራይ ዘይኮነ ስእነት ኣገልግሎት ጥዕና፡ እውን ኣብ ከቢድ ናይ ህላዌ ጸገም ኣእትይዎ ምህላዉ፡ ኒክ፡ ሓቢሩ’ሎ።
ሰራዊት ኤርትራ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተዓዲሞም ናብ ውሽጢ ትግራይ ምእታዎም ተንተንቲ ይሕብሩ።