ተሌቪዥን ሽወደን ከምቲ ልሙድ ኣብ “መን ይውረስ” ዝብል ፕሮግራሙ ሓንቲ ምድላው ሒዙ ቀሪቡ ኔሩ። እቲ ዛንታ ከምዚ ዝስዕብ እዩ። ሓንቲ ዒራቓዊት ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብቲ በይና እትቕመጠሉ ከተማ ስቶክሆልም ሞይታ ከም እተረኽበትን ኣብ ቤታ ምንጩ ዘይፍለጥ 2 ሚልዮን ክሮና ከም እተረኽበን ድማ ኣፍሊጡ። መዋቲት ሳዓዳ ሓሰን ኣብ ምዕዳል ጋዜጣታት እያ ትዋፈር ኔራ። ስለዚ ድማ ክንድዚ ዝኣክል ገንዘብ ክተዋህልል ዘይከኣል እዩ።
ብመሰረት ፖሊስ ሳዓዳ ኣብ መበል 40 ዓመታ እያ ሂወታ ሓሊፉ። ምስ መን ኣዝማድ ወይ መቕርብ ትረአ ኔራ ኣብ ዝብል ፖሊስ ብዙሕ ዘተባብዕ ሓበሬታ ኣይረኸቡን። ስለዚ ድማ እዚ 2 ሚልዮን ክሮና መን ይውረሶ ኣብ ዝብል ፕሮግራም ነዚ ሓበሬታ ኣብ ምፍናው ዝርከብ። ምስቲ ገንዘብ ብዝሕ ዝበለ ዶላር፥ ዩሮን ካልእን ናይ ወጻኢ ባጤራን ከም እተረኽበ እውን ፖሊስ ሓቢሮም ኣለዉ።