ቅድሚ ዕረፍቲ ወቕቲ “ሳመር”፥ ኣብ ባይቶ ዝግበር ክትዕ መራሕቲ ሰልፊ፥ ብርክት ዝበሉ ጒዳያት ከም እተላዕልሉ ተገሊጹ።
ብፍላይ ድማ፥ ኣብ ጒዳይ ፖሊሲ ጸዓትን ዋጋ ከሰልን ርሱን ክትዓት ተጌሩ’ሎ። ከም ኣካል ፖሊሲ ጸዓት፥ ሰልፊ ማሕበራዊ
ዴሞክራሲ ሽወደን ነቲ “ተሓዳሲ ጸዓት” ዝብል ኣጸዋውዓኡ ብ “ካብ ፎሲል ናጻ ዝኾነ ጸዓት” ክትክኦ፥ መንግስቲን ሰልፊ
ዴሞክራሲን ጸዊዖም ኣለዉ። ብፍላይ ድማ ሚኒስተር ቢስነዝ ጸዓትን ኢንዱስትሪን ኤባ ቡሽ ነዚ ኣጽንኦት ሂባ ተማጒታትሉ’ላ።
ንሳ ንሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ዕላማ ብምግባር ኣብ ዘስምዓቶ ረስኒ ዝመልኦ መደረ፥ “ኑክሌራዊ ጸዓት ዝሃንጽኲም
ባዕልኻትኩም፥ ግና ብንጡፍ ውሳነ’ውን ኣይዂን መተባብዒ እናገበርኩም ካብ ኣገልግሎት ዘግለልኩሞ ከኣ ንስኹም
ባዕልኻትኩም ኢኹም” ክትብል ቅረታኣ ገሊጻ’ላ።
ካብ ተቓዋሚ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ዝኾነት ማግዳሌና ኣንደርሾን ብወገና፥ ሰልፋ ንጒዳይ ጸዓት ብዝምልከት ካልእ ዓበይቲ
ሸቶታት ከም ዘድሊ እማመታት ምቕራቡ ገሊጻ’ላ። ኣብ ጒዳይ ጸዓት ዘሎ ፖለቲካዊ ፍልልይ ንምፍታሕ ዘተ የድሊ ምህላዉ
ኣመልኪታ’ላ። ብኻልእ ሸነኽ፥ ኣብ መንጎ መራሒ ማእከላይ ሰልፊ ሙሓረም ደሚሮክን ሰልፊ ዴሞክራሲን ኦስካር ሁዌስት ኣብ
ጒዳይ መጠን ምትሕውዋስ ባዮፍዩል ምስ ነዳዲ ዘይቲን ዲዘልን ሩስን ክትዕ ተጌሩ’ሎ። እዚ ጒዳይ ኣብ ፈነወ በካሊ ጋዝ ዝኾነ
ጽልዋ የብሉን ብዝብል ምኽንያት መንግስቲን ሰልፊ ዴሞክራሲን ነዚ ሕጊ ፍዂስ ከም ዝብል ምግባሮም ከም ዘይሰማማዓሉ
ደሚሮክ ኣብቲ ክትዕ ገሊጹ’ሎ።