ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ቡርኪና ፋሶ: ዕጡቓት ብዝገበርዎ መጥቃዕቲ: ብውሕዱ 160 ሰባት ምሟቶም: ሰብ መዚ መንግስቲ ገሊጾም ኣለዉ።
ኣብታ ሃገር ካብ ዘጋጠሙ መጥቃዕታት፡ ዛጊት እቲ ዝኸፍአ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኣብዚ ብቐዳም ዝተገብረ መጥቃዕቲ፡ ዕዳጋ ገጠር ሶልሓን፡ ብምልኡ ከም ተቓጸለ ተሓቢሩ።
ነዚ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል ዛጊት የለን ተባሂሉ’ሎ። ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ነዚ መጥቃዕቲ ብትሪ ድሕሪ ምዂናን፡ ኣህጒራዊ ማሕበረሰብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ግብረሽበራ ንምዕጋት ዝገብረኦ ዘለዋ ቃልሲ ብዕጽፊ ክድግፍ ጻውዒት ጌሩ’ሎ።