ሚኒስተር ፋይናንስ ቐጠር፡ ስልጣንካ ብዘይ ኣገባብ ተጠቒምካ ከምኡውን ገንዘብ ሃገር ናብ ውልቃዊ ጉዳይካ ኣውዒልካ ብዝብላ ክሲታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዉ ቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣኽባሪ ሕጊ እታ ሃገር፡ ሚኒስተር ፋይናንስ ዓሊ ሸሪፍ ኣልዕማዲ፡ ነቲ ዝተኸሰሰሉ ገበን ክምልሰሉ ዕድል ክወሃቦ ከም ዝግባእ ምግላጹ ቢቢሲ ንጋልፍ ኒውስ ብምጥቃስ ሓቢሩ። እንተኾነ ኣልዕማዲ፡ ዛጊት ዝኾነ መልሲ ዘይምሃቡ ተገሊጹ። ኣልዕማዲ፡ ኣካያዲ 300 ቢልዮን ሃብቲ ሃገረ ቐጠርን ኣቦወንበር ሃገራዊ ባንክ ቐጠርን ምዃኑ ይፍለጥ። ኣልዕማዲ፡ ኣብ 2013 ሚኒስተር ፋይናንስ ቅድሚ ምዃኑ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እቲ ዝዓበየ ኣለቃሒ ዝኾነ ባንክ ይመርሕ ምንባሩ ጸብጻባት የመልክቱ።
ወራስ ዓራት ሼኽ ታሚም ቢን ሓማድ ኣ’ሳኒ፡ መራሒ እታ ሃገር ምስ ኮነ፡ ከም ኣባል ሓድሽ ካቢነ ኮይኑ ናይ ሚኒስተርነት መዚነት ከም እተቐበለ ድማ ይፍለጥ። ዝሓለፈ ዓመት፡ መጋዚን ፋይናንስ ብሪጣንያ፡ ዘ ባንከር፡ ን ኣልዕማዲ ዝበለጸ ሚኒስተር ፋይናንስ ማእከላይ ምብራቕ ክብል ከም ዝረቚሖ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ እዋን ኮሮና፡ ኣልዕማዲ፡ ፋይናንስ ቐጠር ከይዘናባዕ ዝተጻወቶ ተራ ፍሉይ ኣተኲሮ ብምሃብ ሞጊስዎ እዩ። ዝርዝራት ክሲ ኣልዕማዲ፡ ዛጊት ኣብ ጋልፍ ኒውዝ ኤጀንሲ ከም ዘይቀረበ ተገሊጹ ኣሎ።