ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ቅነ ፖለቲካ ሽወደን (Järva)፥ ተረኛታት ዝነበሩ ሰልፊ ደሞክራትናን ሓምላይ ሰልፊን ንህዝቢ መደረ
ኣስሚዖም። ኣብ መደረኡ ኣፈኛ ሓምላይ ሰልፊ ፐር ቦሉንድ ኣብ ሕብረተሰብ ሽወደን ዝረአ ንዘሎ ዘይምዕሩይነትን ዓሌትነትን
ኣተኲሮ ሂቡ’ሎ። ወለዲ ዘለዎም ገንዘብ ብምውድኦም ብጥሙዮም ዝድቅሱ ቆልዑ ይፍጠሩ ምህላዎም፥ ምስ ምስፍሕፋሕ
ገበን ከኣ ስእነት ውሕስነት እናገደደ ይመጽእ ኣሎ ኢሉ። እዚ ንምቅላል እቲ ዝሓሸ ኣገባብ ኣብ ልዕሊ መግቢ ዝጸዓን ቀረጽ VAT
ከም ዝለዓል ምግባር ምዃኑ እውን ኣስሚሩሉ’ሎ። ቀ/ሚ ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሰን “ሰባት ኣብ ክንዲ ምምራር ንጽንኲር
ኲነታት ክለማመዱ ኣለዎም” ብምባል ንዝሃቦ መደረ ከም ዝቃወም ዝገለጸ ቦሉንድ ህዝቢ ሽወደን እቶም ሃፋትም ዝያዳ
ክህብትሙ፡ ድኻታት ከኣ እታ ዘላቶም እውን ክስእኑ ስቕ ኢሉ ክርኢ ከም ዘይግባእ፥ ነዚ ዘይፍትሓዊ ኣገባብ እውን ክቃለሶ
ኣተሓሳሲቡ’ሎ።
እዚ እናኾነ መራሒት ሰልፊ ዴሞክራሲ ሽወደን ኣብ ባይቶ ሪክስዳግ ሊንዳ ሊንበርግ ንሓድሕዳ ዝተፈላለየት ሽወደን ውሕስቲ ቤት
ክትከውን ኣይትኽእልን እያ ክትብል ገሊጻ’ላ። ገበነኛታት ስለ ዝሕየሩ፥ ብሽክለታኻ ኣብ ዝደለኻዮ ቦታ ልብኻ ኣውዲቕካ
እትገድፈሉ ግዜ እናረሓቐ ይኸይድ ምህላዉ እውን ኣዘኻኺራ።
ብተመሳሳሊ ዜና፥ ኣብ ዝቃናዕ ዘሎ ቅነ ፖለቲካ 68,000 በጻሕቲ ይሳተፉ ምህላዎም፡ እዚ ድማ ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝተራእዩ
ዝለዓለ ቊጽሪ ምዃኑ ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ። ኣባል ሰልፊ ሞደራትናን ሚኒስተር ፍትሒን ጒናር ስትሮመር ኣብ ገበን ኣተኲሩ ኣብ
ዝሃቦ መደረ ሓደ ሰብዝፍረደሉ ዕድመ ካብዚ ዘለዎ ትሕት ክብል ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቡ’ሎ። መራሒ ሰልፊ ክርስትያናዊ
ዴሞክራሲ ነበር ናይ ሕጂ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጒዳያትን ያቆብ ፎስመድ ብወገኑ፥ ኣብ ማዕርነት ክንክን ጥዕና ኣተኲሩ መደረ
ኣስሚዑ’ሎ።