ንመጀመሪታ ግዜ ድሕሪ ነዊሕ እዋን፡ ደቂ ለንደን ነቲ ህቡብ ‘ቢግ ቤን’ (Big Ben) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣብ ሃገረ እንግሊዝ ዝርከብ ናይ ህዝቢ ናይ መንደቕ ሰዓት፡ እንደገና ክመልኡዎ ይዳለዉ ከምዘለው ተሓቢሩ። እዚ ‘ቢግ ቤን’ ዝተባህለ ሰዓት ዘለዎ፡ ብሸነኽ ሰሜን ናይ ለንደን ባይቶ ርእሲ ናሕሲ ዝርከብ 96 ሜትሮ ዝቑመቱ ብርኽ ዝበለ ህንጻ፡ ካብ 2017 ጀሚሩ ንምሕዳስ ዝሕግዝ ዓቢ መደያይቦ ከዊልዎ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ እዩ።
እቶም ዓቀብቲ፡ ነቲ ንነዊሕ እዋን ድምጹ ኣጥፊኡ ዝጸንሐ ኢድን ገጽን ናይቲ ሰዓት፡ ከምዝጸገንዎን ከምዝቐብኡዎን ተፈሊጡ’ሎ። ዋላ’ኳ እቲ ስሩዕ ደወል ናይ ምድዋል ስርሑ ሙሉእ ብሙሉእ ተጸጊኑ ዝጅምረሉ ግዜ ኣብ ግዜያት ጽድያ እንተኾነ፡ ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ግና እቲ ደወል ክድወል ከምዝተገብረ ተሓቢሩ’ሎ።
እቲ ናይ ምትዕርራያትን ምጽብባቕን ስራሕ ናይቲ ሰዓት ዝርከቦ ህንጻ ኣብ ከይዲ ብዙሕ ጸገማት ዘጋጠሞ ኮይኑ፡ ገለ ኻብቶም ጸገማት፥ ኣብ 2ይ ውግእ ዓለም ዘጋጠመ ውቅዒት ናይ ነታጒ፣ ኣስቤስቶስ፣ መርዛም ናይ ዓረር ቀለም፣ ዝተጎድኡ ቅርጺታትን ኮምኡ ውን ዝተሰብረ መስትያት ኣብቲ ናይቲ ሰዓት የእዳው ይርከብዎም።
እቲ መጀመርታ ተገሚቱ ዝነበረ ናይቲ ምሕዳስ ስራሕ ወጻኢ፡ ካብ £18.6 ሚልዮን ናብ £79.7 ሚልዮን ክብ ከምዝበለ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።