ኤርትራን ኢትዮጵያን ብፈደሬሽን ንምትእስሳር ዝርርብ ከም ዝጅመር ገለ ሓበሬታትት ምህላዉ ሆርን ደይሊ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣብ ሰነ 2018 ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ንምርኻብ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣምሪሑሉ ኣብ ዝነበረ እዋን “ንስኻ ኢኻ መራሒና! ንስኻ ምርሓና፥ ኩሉ ሓላፍነትን ስልጣንን ሂበካ ኣለኹ” ክብል ንብዙሓት ኤርትራውያን ዘገረመ ዘርባ ሰው ኣቢሉ ምንባሩ ኲሉ ዝዝክሮ እዩ። እታ ካብ 1961-1991 ንሰላሳ ዓመታት ን ሓርነትን ናጽነትን እተቓለሰት ኤርትራ ከመይ ኢላ እያ ሕጂ ግርምቢጥ ብዝመስል መልክዕ ምስ ኢትዮጵያ ፈደሬሽን ክትምስርት እትሓስብ ዘላ? ድሕሪቲ ኣብ 2018 ዝተኻየደ ምኽታም ውዕል ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ጥራይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይን ኢሰያስ ኣፈወርቂን ትሽዓተ ወግዓዊ ምብጽጻሓት ጌሮም ኣለዉ። ናብ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ከይዶም ብልኡኻቶም ኣቢሎም ከኣ ካልኦት ርክባት ኣካዪዶም እዮም። ብሓጺሩ ቅድሚ ምጅማር ኲናት ትግራይ ኣዝዮም ኣገደስቲ ምዃኖም ዝእመነሎም ርክባት ብወግዓዊን ብዘይወግዓዊን ኣገባብ ምግባሮም ኣየቋረጹን። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣብ ሓምለ 2020 ናብ መደበር ታዕሊም ሳዋ እውን ምብጻሕ ጌሩ እዩ። ፕረሲደንት ሶማል ፎርማጆ እዋን ኣብ ጥቅምቲ 4 ኣስመራ ከይዱ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ፕረሲደንት ኢሰያስ እውን ካብ ጥቅምቲ 14-15 ኣብ ዘሎ ግዜ ናብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ምብጻሕ ብምክያድ ነቲ ኣብ ቢሾፍቱ ዝርከብ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ተዓዚቡ ኔሩ። ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን እዚ ፍጻመ ድማዩ ኲናት ትግራት ዝተባርዐ። ቅድሚ ምጅማር ኲናት ትግራይ ኢሰያስ ናይ ቀረባ ፖከቲካውያንን ወተሃደራውያንን ኣማኸርቱ ብምጽዋዕ ምስ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝግበር ፈደሬሽንን ብኸመይ ክቕጽል ከም ዝኽእልን ክዝትይ ጸዊዕዎም ኔሩ። ንሱ ነቶም ኣማኸርቱ ኤርትራ ንእሽቶን ሃገር ክገብራ ዘኽእል ቊጠባ ከም ዘይብላን ነቲ ነዊሕ ገማግም ባሕራ በይና ክትሕሉ ጾር ከም ዝኾናን ገሊጹሎም። ስለዚ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ቊጠባን ጸጥታ ባሕርን ዘተኰረ ገለ ሕብረት ከድልየና እዩ ክብል ኣጀንዳ ከም ዝሃቦምን እታ መርበብ ሓበሬታ ትገልጽ። እዚ ምስ ሕልሚ ኣብይ–ምጽንባር ኤርትራን ኢትዮጵያን ምምስራት ሓይሊ ባሕሪን ኣዝዩ ዝሰማማዕ እዩ። ብዘይካዚ ፈረንሳውን ኣብ 2019 ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ክትሃንጽ ስምምዕ ምኽታማ ጸብጻባት ሮይተርስ የመልክቱ።