ካብ ዝቕጽል 1 ጥሪ ጀሚሩ ግብሪ ነዳዲ ክጎደል ዘኽእል ሕጊ ብመንግስቲ ሽወደን ክውሰን ትጽቢት ይግበረሉ። እዚ ውሳነ ዝተቓልሐ ውጽኢት ናይቲ ኣብ ሞንጎ ንመንግስቲ ኣቚመን ዘለዋ ክልተ ሰልፍታትን ሊበራላዊ ሰልፍን ማእካላይ ሰልፍን ዝተገብረ ስምምዕ ናይ 2020 ሕጊ ባጀት እዩ። ዕላማ ናይዚ ሕጊ ድማ ነቲ ኣብ መዐደሊታት ነዳዲ ዝረአ ዘሎ ወሰኽ ዋጋ በንዚንን ናፍታን ንምስትኽኻል ኮይኑ ብመንገዲ ድጎማ ካብ መንግስቲ ክኸውን ተባሂሉ ዝተኣታተወ እዩ።
እቲ ቀሪቡ ዘሎ መጽናዕቲ ንምጉዳል ግብሪ ጸዓት፡ ግብሪ ካርቦንዳይኦክሳይድ ከምኡ ውን ናይ በንዚንን ናፍታን። በዚ ድማ ዋጋ በንዚን ብኣስታት 13 ክሮነር ንሓደ ሊትሮ፡ ዋጋ ናፍታ ድማ ብኣስታት 9.3 ክሮነር ንሓደ ሊትሮ ክጎድል እዩ። እዚ ሕጊ ክተግብር ኣብ ዝጅምረሉ እዋን፡ መንግስቲ ካብ ካዝንኡ ዓመታዊ 900 ሚልዮን ክሮነር ከውጽእ ምዃኑ ይንገር።