ኲሉ ሽርሸራ መሸጣ ኣልኮላዊ መስተ፡ ኣብ ሲስተምቦላጌት ኣብ ዝርከብ መንግስታዊ ኲባንያ ብሞኖፖል ዝተታሕዘ ብምዃኑ፡ ዘይከም ካልኦት ክፋላት ዓለም ኣብ ሽወደን ኣልኮላዊ መስተ ምግዛእ ፍልይ ከም ዝብል ዝፍለጥ እዩ። ኣብ ምጅማር መበል 20 ክፍለ ዘመን፡ ኣብ ሽወደን “ነብስኻ ምግዛእ” ዝተባህለ ምንቅስቓስ ተኣታትዩ ኔሩ እዩ። እዚ ምንቅስቓስ ኣልኮላዊ መስተ ጨሪስካ ዘይምስታይ ከም ዓብዪ ክብሪ ይርኢ ምንባሩ ኣብ ቤተመዘክር መስተታት ስቶክሆልም ዓቃቢት ኤቫ ሌንማን ትገልጽ።