ኣብ ሽወደን ጠፊኦም ተባሂሎም ንፖሊስ ካብ ዝተሓበሩ ሰባት ብዝሕ ዝበሉ ብሕማም ምርሳዕ ዝሳቐዩ ሰባት ምዃኖም ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ። ኣብ ዓመት ክሳብ 2,400 ሕማም ምርሳዕ ዘለዎም ሰባት ከም ዝጠፍኡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቦሮስ ብፖሊስ ሚካኤል ላርሰን ዝተኻየደ መጽናዕቲ ይሕብር። መብዛሕትኡ ግዜ ‘ባዕልኻ ንርብዒ ሰዓት ድለዮም፡ ሽዑ እንተዘይረኺብካዮም ግን ን ፖሊስ ሓብር እዮም ዝብሉ” ክብል ሚካኤል ላርሰን ንኣዝማድ ናይዞም ሕማም ምርሳዕ ዘለዎም ሰባት ኣተሓሳሲቡ’ሎ።