ብመሰረት ካብ ኩባንያ ትንተና (Vlaue guard) ዝተረኽበ ወቕታዊ ዝስተኻኸል ሃገራዊ ዳህሳስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ዋጋታት ናይ ኣባይትን መንበሪታትን ብ1% ከምዝወሰኸ ተሓቢሩ። ኣብ ዝተፈጸሙ ናይ ኣባይቲ ውዕላት ብንጹር ጎሊሑ ዝረአ ዘሎ፡ ካብቲ ዓሚ ኣብዚ ከምዚ እዋን ዝነበሮ ኩነት ዋጋታት ኣባይቲ ብ10% ብምውሳኾም ንዕዳጋታት ኣባይቲ ኣኽቢርዎ ይርከብ።
እዚ ኣሃዝ (10%) ምስ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲን ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ዝነበሩ ዋጋታት ብምውድዳር ከምዝተረኽበ ተሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ ዋጋታት ክራይ ገዛ ኣብተን ሰለስተ ዓበይቲ ከተማታት ብ2% ክሳብ 3% ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ ማልሞ ዝዓበየ ወሰኽ ከም ዘርኣየን ተፈሊጡ። ዋጋታት ኣባይቲ ብ3.5% ክሳብ 4.5% ወሰኽ ከርኢ እንከሎ ኣብ ዮቶቦሪ ግን ፍልይ ብዝበለ ወሰኽ ከምዘርኣየ ተፈሊጡ ኣሎ።