ኣብ ሽወደን እታ ኣዝያ ውሕስቲ ምምሕዳር ከተማ ኣብ ቫርምላንድ እትርከብ ከተማ ሃማርሞ እያ ተባሂላ። ብመሰረት በዓልመዚ ምምሕዳር ከተማን ወሰንን ሽወደን ኤጀንሲ ማሕበራዊ ሓለዋን ምድላውን ዝገበርዎ ዳህሳስ እዩ እዚ ሓበሬታ ዝወጽእ ዘሎ። እዚ ዳህሳስ 290 ምምሕዳራት ከተማ ዘወዳደረ ኮይኑ ኣብዘን ከተማታት ዝወረደ ዝተፈላለየ መጥቃዕቲታት፡ ጎነጻትን ገበንን ብምምርማር እዩ ኣብዚ ምርቋሕ ዝበጽሐ ተባሂሉ።
ኣብ ጐደቦ እዛ ከተማ እትርከብ ካርልስታድ ካብኡ ብምቕጻል ድማ ቫክስሆልም፥ ኦኬሮ፡ ሎማን ክኒቭስታን ተሰሪዐን ኣለዋ። “እተን ኣብዚ ላዕለዋይ ደረጃ ሒዘን ዘለዋ ምምሕዳራት ከተማ ውሕድ ዝበለ ህዝቢ ዘለወንን ተመላለስቲ ሰራሕተኛታት ዘለውወንን እዮም” ዮተበሪ መበል 98 ማልም 152 ስቶክሆልም ኸኣ መበል 226 ተሰሪዐን ኣለዋ።፡ ምምሕዳር ከተማ ማሉንግ ሴለን ኣብዚ ተርታ ኣብ መወዳእታ ተመዲባ ኣላ። ብፍላይ ኣብ ወቕቲ በጻሕቲ ብዝሕ ዝበለ ገበናዊ መጥቃዕቲታት ዝረኣየላ ከተማ ምዃናን ብሓፈሻ ከም መናህርያ ኣሸበርቲ ከም እትረአን ድማ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ።