ኣብ መንጎ ማሕበራዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፍን ዓቃባዊ ሰልፍን ጥቡቕ ምትሕብባር ክህሉ ናይ ቀደም ናይ ገንዘብ ሚኒስተር Anders Borg ጸዊዑ። እዘን ኣብ ሽወደን ማሕበራዊ ሓላፍነት ዝስከማ ክልተ ሰልፍታት’ዚኣተን ፍልልየን ከጽብባ ከምዘለወን እቲ ሚኒስተር ምስ ተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕተት ገሊጹ። ካብ ዓመተ 2014 ክሳብ 2016 ከም ሚኒስተር ኮይኑ ዝነጠፈ፡ ሪንፊልደት ቤን፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝነበሮ ዝምድና፡ ኣብ ናይ ኢሚግሬሽን ፖሊሲ ዘለዎ ርኢቶን ብኸመይ ኣብ ሽወደን ዝርከብ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ኣብ ቅየሳ ህዝባዊ ርእይቶ ልዕሊ ዓቃባዊ ሰልፊ ከምዝኾነን መብርሂ ሂቡ።
ናይ ክልቲኦም ሰልፍታት ጥቡቕ ዝምድናን ምትሕብባርን ምውሓስ ነቲ ንሽወደን ዘጋጥማ ዘሎ ማሕበራዊ ሽግራት ንምብዳህ ዝሕግዝ ስለዝኾነ ኣብ ቅድሚት ስሪዕና ክንሰርሓሉ ይግባእ። ቁጽሪ ናብ ሽወደን ዝኣትዉ ስደተኛታት ደሪትካ ዝያዳ ዓቕምኻ ምውህሃድ ፖሊሲ ኣብ ምምሕያሽ ክኸውን ከምዘለዎ ይዛረብ።
ነዚ ሃገር ብኸመይ ኣገባብ ብዝሓሸ መንገዲ ከነመሓድሮ ዝብል ኣርእስቲ እቲ መሰረታዊ ሕቶ ክኸውን ይግባእ። ነዚ ሕቶ ንምምላሽ ድማ ማሕበራውያን፡ ዲሞክራስያውያን ኮነ ዓቃባውያን ብሓንሳብ ኣብ ሓደ ጣውላ ኢሎም ኣንፈቶም ናበይ ምዃኑ ክዝትይሉ ይግባእ ክብል እቲ ናይ ቀደም ሚኒስተር ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕተት ይዛረብ።