ኢኮሎሎጅያዊ ዓቃብነት ኪበሃል ከሎ እቲ ሕብረተስብ ምስ ተፈጥሮ ተሳኒዩ ይነብር ኣሎ ማለት እዩ። ሰባትን ትካላትን ነቲ ኣከባቢ ብዘይሃሲ መገዲ ኪነብሩ ከለዉ ማለት እዩ። ባይቶ ሽወደን ኩሉ ስወደናዊ ዝሰርሓሉ ንኢኮሎጅያዊ ዓቃብነት ዚምልከቱ ዕላማታት ሓንጺጹ ኣሎ። እዚ ማለት ከኣ ንኣብነት ትፋእ ፋብሪካታትን ተሽከርከርትን ንደቂ-ሰባትን ከም ዘይጐድኡ ምግባርን ህይወታዊ ብዙሕነትን (biologiska mångfalden) ምዕቃብን ማለት‘ዩ። ናይ ክሊማ ስግኣት መታን ከይፍጠር፡ ኣጠቓቕማ ጸዓትን ባህርያውያን ጸጋታትን ኪድረትን ውጽኢታዊ ኪኸውንን ኣለዎ።
ኣተሓሕዛ ጐሓፍ
ዓመት-ዓመት ኣብ ሽወደን ብዙሕ ጐሓፍ ይእከብ። ዓመት ዓመት ካብ ነፍሲ-ወከፍ ገዛ ኣብ ሽወደን 350 ኪሎ ዚኸውን ጐሓፍ ይመጽእ። ነዚ ኩሉ ጐሓፍ ምእላይ ብዙሕ ወጻኢታት ይወጽእ። ንጐሓፍ ብግጉይ ኣገባብ ምእላይ ንኸባቢና ጐዳኢ’ዩ። ስለ’ዚ ንዅሉ ጐሓፍ ብዝተኻእለ መጠን ብጽቡቕ ኣገባብ ምእላይ ኣገዳሲ ይኸውን። ዚበዝሕ ካብ’ቲ ንጕሕፎ: ከምብሓድሽ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። ከምዚ ብምግባር ከኣ ነቲ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ንዕቅቦ። ኣብ ሃገር ሽወደን ኩሉ ሰብኣተሓሕዛ ጐሓፍ ዓመት-ዓመት ኣብ ሽወደን ብዙሕ ጐሓፍ ይእከብ። ዓመት ዓመት ካብ ነፍሲ-ወከፍ ገዛ ኣብ ሽወደን 350 ኪሎ ዚኸውን ጐሓፍ ይመጽእ። ነዚ ኩሉ ጐሓፍ ምእላይ ብዙሕ ወጻኢታት ይወጽእ። ንጐሓፍ ብግጉይ ኣገባብ ምእላይ ንኸባቢና ጐዳኢ’ዩ። ስለ’ዚ ንዅሉ ጐሓፍ ብዝተኻእለ መጠን ብጽቡቕ ኣገባብ ምእላይ ኣገዳሲ ይኸውን። ዚበዝሕ ካብ’ቲ ንጕሕፎ: ከምብሓድሽ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። ከምዚ ብምግባር ከኣ ነቲ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ንዕቅቦ። ኣብ ሃገር ሽወደን ኩሉ ሰብ ነቲ ጎሓፉ ወጋጊኑ ኪድርብዮ ከም ዘለዎን ዚሕብር ሕጊ ኣሎ። ከምኡውን ነቲ ጎሓፍ ወይ ነቲ ኣብ ጎሓፍ ዚርከብ ጸዓት ከም ብሓድሽ ናይ ምጥቃም ብልሃት ኣሎ።
ኣብ ዳርጋ ኩሉ ዚካረ ኣባይቲ እንዳ ጎሓፍ ኣሎ።
ከምዚ ኪብሃል ከሎ ተረፍመረፍ መግብን ሜታልን ጠራሙዝን ፕላስቲክን ወረቐትን ኣብ ነንበይኑ መቐመጢ ትእክቦ ማለት እዩ።
ብዙሓት ዋናታት ገዛ ንተኻረይቶም ንመአከብ ተረፍ መረፍ መግቢ ዚኸውን ፕላስቲክ ይዕድሉዮም። ተረፍ- መረፍ መግቢ ብሓደ ተኣኪቡን ተደኵዑን ሓመድ ይኸውን።
ጐሓፍ ክትድርብየሎም እትኽእል ካልኦት ቦታታት’ውን ኣለዉ:
- ቦታ ዳግመ-መዓላ (Återvinningstaion) ኣብ’ዚ መዐሸግታት: ጋዜጣታትን ባተርያን ክትገድፍ ትኽእል።
- መደበር ኣከባቢ (Miljöstation)፡ ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ጥቓ መዐደል በንዚን ይርከብ ኣብ‘ዚ ንኸባቢ ሓደገኛ ዝኾኑ ጐሓፋት ምግዳፍ ይከኣል።
- ማእከል ዳግመ-መዓላ (Återvinningscentral) ኣብ’ዚ ግዝፍ ዝበሉ ጐሓፋትን ኣቝሑን ከምኡ’ውን ሓደገኛ ዝኾኑ ኬሚካላትን ጐሓፋት ኤለክትሮኒክን ምግዳፍ ይከኣል።
ምፍልላይ ተረፍመረፍ መግቢ ተረፍመረፍ መግቢ
ተኣክቡ ንድዅዒ ይኸውን። ተረፍመረፍ መግቢ ክትውግኖ ኸሎኻ እቲ ኪነድድ ዝነበሮ ጎሓፋት ይጎድል ኣሎ ማለትዩ። ከም ተረፍመረፍ ኮይኖም ንድዅዒ ዚበቕዑ ነገራት፣ ተረፍ ዓሳ ወይ ናይ ባሕሪ እንስሳታት፡ ስጋ፡ እንቋቝሖ፡ ኣሕምልትን ፍረታትን፡ ባኒ፡ ሻሂ፡ ቡን፡ ናይ ቡን ፊልተር፡ ናይ ክሽነ ወረቐት፡ ዕምባባታትን ኣታኽልትን ሓመድን።
ሓደገኛ ጐሓፍ ሓደገኛ ጐሓፍ
ዚበሃል፡ መርዛም ዝኾነ ነገር፡ ነታጕ፡ ተባራዕን ዚባላዕን ነገር ኪኸውን ይኽእል። ሓደገኛ ጐሓፍ ብውሑድ ዓቐንውን ጕድኣት ኬውርድ ይኽእል‘ዩ። ሓደገኛ ጐሓፍ ምስቲ ልሙድ ጐሓፍ ሓዊስካ ከይትድርቢ ኣስተብህል ኢኻ። ሓደገኛ ጐሓፍ ኣብ መደበር ከባቢ (miljöstation): ኣብ ቦታ ዳግመ-መዓላ ወይ ከኣ ንሓደገኛ ጐሓፍ ተባሂለን ዝተመደባ ፍሉያት መኪናታት ይግደፍ።
ኣብነታት ሓደገኛ ጐሓፍ፣ ባተርያ ማኪና፡ ነደድቲ፡ ዘይቲ፡ ሕብሪ፡ ተረፍ-መረፍ ኮላ፡ ክሎሪን፡ መብራህቲ ፍሎረሰንት፡ መብራህቲ ኣምፑል፡ ኣሕቀቕቲ ፈሳስታት፡ ላክናፍታ፡ መቕጠኒ ሕብሪ፡ ተርፐንቲን፡ ላምባን፡ ኣቸቶነን፡ ነዳዲ መንከስ-ሓዊ: ዚምልኡ ባተርያታትን ስብሒ ዚኣልዩ መሕቀቕትን።
ምንጪ: information om sverige1