ኣብ ሽወደን ብተደጋጋሚ ንዘጋጥም ዘሎ ምድንጓይ ናይ ምድሪ ባቡር ምንቅስቓስ ኣመልኪቱ ናይ ነዊሕ ዝጠመተ ምፍትሒ ትልሚ ንኽገብር ምምሕዳር መጓዓዝያ ካብ መንግስቲ ሽወደን ሓላፍነት ተዋሂብዎ። ምምሕዳር መጓዓዝያ ምስ ናይ ባቡር ስራሓት ዝነጥፋ ኩባንያታትን ምስ ናይ ጽገና ኩባንያታት ብምትሕብባር ነዊሕ ናይ ጽገና ትልሚ ንኽሕንጽጽ ብመንግስቲ ሽወደን ጠለብ ከምዝቐረበሉ ሚኒስተር ትሕተ ቕርጺ ሽወደን፡ ቶማስ ኢኒሮስ፡ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ንዝሃቦ ሓበሬታ ምርኩስ ብምግባር ማዕከን ዜና ሽወደን TT ኣቃሊሑ።
እቲ ናይ ጽገና መደብ መዓስ ከምዝውዳእ ክሕበርን እቲ ትልሚ ድማ ነቶም ንዘጋጥሙ ዘለዉ ተክኒካዊ ጸገማትን ንቐጻሊ ናይ ባቡር ደው ምባልን መፍትሒታት ዘጠቓለለን እተን ባቡራት ብኸመይ መንገዲ ኣብ ግዜአን ክርከባሉ ዘኽእል ኣገባብ ዘተኣታቱ ክኸውን ይግባእ ክብል ወሲኹ ተዛሪቡ። ብመሰረት ዘረባ ናይቲ ሚኒስተር፡ መርመራ ናይቲ ትልሚ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናይ ዝቕጽል ዓመት ክውዳእ እዩ።