ሓድሽ ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ኣብዚ ገለጾ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ሽወደን ድሕሪ ዓመት 2011 ሽቕለት ኣሎቦነት ኣብ ደቂ ኣንስትይ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ከም ዝዛየደ ሓቢሩ።
ብመስረት እዚ ጸብጻብ ዝልዓለ ቁጽሪ ሽቕለት ኣልቦነት ኣብ ሽወደን ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ኣስታት 350,000 ከምዝነበረ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር ከሎ ድማ ብ 8000 ዕብየት ከምዘርኣየ ይገለጽ። እዚ ድማ ብደረጃ ጾታ ክርኤ ከሎ ስጋብ ዝሓለፈ መጨረሻ ወርሒ 7.0 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ ክኾና ከለዋ 6.9 ሚእታዊት ድማ ደቂ ተባዕትዮ ብሙኻን ንመጀመርያ ግዜ እዛ ክረመቲ እዚኣ ድሕሪ 2011 ዝልዓለ ቁጽሪ ሽቕለት ኣልቦነት ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዝተራእየላ ኮይና ተመዝጊባ ።
ኪኢላታት ቁጠባ ነዚ ክስተት ክግንዘቡ ዝኸኣሉ ድሕሪ እቲ ናይ ክልተ ዓመት ቁጠባዊ ሕውየት ሽወደን ሙኻኑ እዩ, እዚ ናይ ሕጂ ክስተት ድማ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ደረጃ ትምህረተን ትሑት ወይ ዘይብለን ብሙኻኑ እዩ ክብሉ ነዚ ምውሳኽ ቁጽሪ ሽቅለት ኣሎቦነት ይገልጽዎ ።
ኣብ ሽወደን ቁጽሪ ስራሕ ዘይብለን ደቂ ኣንስትዮ ኣብዘን ውሽጢ 12 ኣዋርሕ ካብ 1500 ናብ 74,000 ክብ ክብል ከሎ እዚ ድማ ብሰንኪ ምውሳኽ ካብ ካልእ ሃገራት ዝመጻ ደቂ ኣንስትዮ ሙኻኑ እዚ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ሽወደን ይገልጽ ።