መንግስትን ሰልፊ ዴሞክራሲን ልክዕነት ምዝገባ ህዝቢ ሽወደን ንምርግጋጽ ውጥን ከም ዘለዎም ኣፍሊጦም። ምዝገባ ህዝቢ
ምምሕያሽ፡ ኣብ ሽወደን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዝነበሩ ሰባት ንምሓዝ ሓጋዚ ምዃኑ ሰልፊ ዴሞክራሲ ሽወደን ገሊጹ’ሎ። ን ብዝሒ
ህዝቢ ብዝምልከት ሕጂ ዘሎ ኲነታት ክምርምር ን ኤጀንሲ ቀረጽ ሽወደን ዕማም ከም እተዋህቦ ሚኒስተር ፋይናንስ ኤልሳቤጥ
ስቨንሶን ኣመልኪታ። ልክዕነት ቆጸራ ህዝቢ ንምርግጋጽ ዘኽእሉ ሓደስቲን ስሉጣትን ኣገባባት እንተለዉ ክርኢ እውን ተላብያ’ላ።
ኣብ ሽወደን መን እዩ ዝቕመጥ ዘሎ ዝብል ሕቶ ብግቡእ ምምላስ፥ ኣካል ናይቲ ኣብ መንጎ መንግስቲን ሰልፊ ዴሞክራሲ ሽወደንን
እተበጽሐ “ስምምዕ ቲዶ” ኮይኑ፡ ኤጀንሲ ቀረጽ ሽወደን ምስ ፖሊስ ኤጀንሲ ስደተኛታትን ኣገልግሎት ጸጥታን ብምዃን ነዚ ዕዮ
ከም ዘሳልጦ ክግበር እዩ።
ብመሰረት እዚ ዕማም፥ ሓደስቲ ዝኣተዉን ሓተትቲ ዕቚባን ምጽራይ “ቊጽሪ ኮኦርዲኔሽን” ክግበረሎም እዩ። ካብ ዝመጽእ
ባሕቲ ግንቦት ኣትሒዞም ከኣ፥ ፖሊስ ኤጀንሲ ስደተኛታት ከምኡ’ውን ኣገልግሎት ጸጥታን ብዛዕባ ሕቶ ዕቚባኦም ዝተነጽጒ ኮነ
ፍቓድ መንበሪ ዝተዋህቡ ኣመልኪቶም ን ኤጀንሲ ቀረጽ ሽወደን ጸብጻብ ከቕርቡ እዮም። ብዘይካዚ፥ ኤጀንሲ ቀረጽ ሓደ ሰብ
ኣበይ ይነብር ኣሎ ዝብል ሕቶ ኣመልኪቱ ምቛም ግዴታታት ክሰርዕ ተኽእሎታት ከም ዘሎ ተመልኪቱ’ሎ። ዝበዝሐ እዚ ኤጀንሲ
ዝደልዮ ዘሎ ሓበሬታ ካብ ምዝገባ ህዝቢ ዝመጽእ እኳ እንተኾነ፡ ካብ ማዕጾ ናብ ማዕጾ እናኳሕኳሕካ ሓበሬታ ምድልዳል እውን
ኣብዚ መስርሕ እቱው ምዃኑ፥ ሚኒስተር ፋይናንስ ኤልሳቤጥ ስቨንሶን ወሲኻ ሓቢራ’ላ።
ከምዚ ዓይነት ኣገባባት ብገለ ወገናት ይንቀፉ’ለዉ። ከምዚ ዓይነት ዕማም፥ ኣማኢት ሚልዮናት ክሮና ወጻኢ ምግባር ዝሓትት
እዩ ክብል፥ ምስ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ሽወደን ምትእስሳር ዘለዎ ጒጅለ “ፓብሊክ ኤኮኖሚክስ” ቅሬታኡ ኣስሚዑ’ሎ። እንተኾነ
ግና መራሒ ሰልፊ ዴሞክራሲ ይሚ ኤክሶን፥ እዚ ወጻኢታት ምስ ኣገዳስነት እቲ ዕማም ዝዳረግ እዩ ብምባል እቲ ዕዮ ክድፍኣሉ
ምዃኑ ገሊጹ’ሎ።