ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ቤትጽፈት መራኸቢ ስራሕ ወይ ኣርበትስፎርመሊንገን ጥራይ እዩ ስራሕ ንምርካብ ዚሕግዝ። ግን ድሕሪ ክልተ ዓመታት፡ንብሕታውያን ትካላት ኣብ መዳይ ስርሕ ንኽሕግዛ ስልጣን ተዋሂበን ኣለዋ። እዚ ድማ በቲ ሰንተርፓርቲን ሊበራልን እዩ ተወሲኑ።
ቤትጽሕፈት መራኸቢ ስራሕ ካልእ ኪሰርሕ እዩ። ስለዚ ብዙሓት ኣብ መላእ ሃገር ዚርከባ ናይዚ ትካል’ዚ ጨንፈራት ኪዕጸዋ እየን። ስለዚ፡ እቲ ደላይ ስራሕ ነዘን ትካላት እዚኣተን ደልዩን መሪጹን ኪውከሰን እዩ። ይኹንምበር እዘን ትካላት እዚኣተን ኣብ ኩሉ ኮሙናት ኣይርከባን። ኣብ ስሳ ኮሙናት ሓንቲ ጥራይ እያ እትርከብ፡ ከምዚ ኪብሃል ከሎ ድማ እቶም ደለይቲ ስራሕ ነዊሕ መገዲ ኪጓዓዙ ኣለዎም ማለት እዩ።